ኤንተርፕራይዝ መፅናዕቲን ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ

ቑፅሪ ደ/ከ/ስ/ዕ/ምም/ን/022/2017

ዕለት፡– 18/06/2017 ዓ/ም

ናይ ፕሮፎርማ ዕደጋ ፃውዒት

ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንገዲ ክልል ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ንብረት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክካረ ስለዝደለየ ሕጋዊያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም::

ናይ ሞልድ ክራይ መቕረብቲ
ተ/ቑመፍለዪተደላዪ ዝርዝር ንብረትመዐቀኒዝድለ በዝሒ ሞልድ123
ግምታዊ በዝሒ ስራሕ መዓልቲ
ነፀላ ዋጋጠቕላላ ዋጋበዝሒ ዝምረት ቱቦ
1በዓል - 90 ሳ/ሜትርቑፅሪ21919
2በዓል - 106 ሳ/ሜትርቑፅሪ5154154
3በዓል - 120 ሳ/ሜትርቑፅሪ33939


1. ፕሮፎርማ ዝቐርበሉ ቦታ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን 

2. ፕሮፎርማ ዝቐርበሉ ጊዜ፡ ክሳብ ዕለት 20/06/2017 ሰዓት 10፡00 ድ/ስዓት 

3. ተወዳዳሪይ ስዓራይ ምዃኑ ናይ ዕደጋ ትእዛዝ ምስተውሃቦ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ከቕርብ ግዴታ ኣለዎ፡፡ ኣብቲ ዝተጠቐሰ ግዜ ከቕርብ ዘይከኣለ ተወዳዳሪይ ካብዚ ትካል ናይ ዕደጋ ስራሕቲ ከም ኣድላይነቱ ንዝተወሰነ ግዜ ይእገድ::

4.ተወዳዳሪ ኣግባብነት ዘለዎ ብግልፂ ዝንበብ ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቓድ ፣ ናይ ግብሪ ከፋሊ መፍለይ ቑፅሪ ፣ ናይ ንግዲ ዘርፍን ( መቕረባይ ) ኣድላይ ዝበሃል መረዳእታን ዘቕርብ፤

5. ሰዓራይ ክኸዉን ዝኽእል ናይ ኩሉ ዓይነት ሞልድ ዋጋ ተደሚሩ ንሰለስተ ተመቒሉ ዝርከብ ትሑት ማእኸላይ ውፅኢት ( ሎት )ይኸዉን ፣

6. ተወዳደርቲ ዝመልእዎ ሰነድ ፕሮፎርማ ብናይዚ ትካል ዝወፀ ሰነድ ክኸዉን ይምረፅ ፣ ብናይ ባዕሎም ሰነድ እንተመሊኦም ግን ምስቲ ናይ ትካልና ዝወፀ ሰነድ ፕሮፎርማ ሓደ ዓይነት ክኸዉን ኣለዎ ።

7.እዚ ናይ ፕሮፎርማ ዕደጋ ምልክታን ብተወዳደርቲ ዝቐርብ ናይ ፕሮፎርማ ዋጋ ዝሓዘ ሰነድን ኣብ መንጎ ኣካራይን ተኻራይን ከም ውዕሊ ኮይኑ ይሰርሕ

8. ስዓራይ ዝኾነ ተወዳዳራይ እቲ ንብረት ኣታዊ ብዘይ ምግባሩ ኣብቲ ኢንተርፕራይዝ ዝበፅሐ ጉድኣት ብምርኣይ ትካል ብሕጊ ክሓትት ይኽእል።

9. ተወዳዳሪ ኣብ ዝቐርብ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ፊርማን ማህተምን ናይ ምግባር ግቡእ ይህልዎ።

10. እቲ ንብረት ናብ ዋ/ቤ/ፅ ኢ/ስ/መ/ት ምስ ኣተወ ኣብ ውሽጢ 5' መዓልቲ ክፍሊት ክፍፀመሉ ፍቓደኛ ዝኾነ

11. እቲ ኢንተርፕራይዝ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

Tel NO 0344416727