ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳ/ፃ/እምባ

ምልክታ ጨረታ 

ቤት ፍርዲ ወረዳ ፃዕዳ እምባን ከተማ ፍረወይንን ኣብ ዓመት 2017 ዓ\ም ናይ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ኤለትሮኒክስ ኣቑሑት፣ ሕትመት፣ ዝተፈላለዩ መሳሪሒታትን ካልኦት ሃለቕቲ ኣቑሑትን ብግልፂ ጭረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ካብ ቤት ፅሕፈትና ሰነድ ጨረታ ወሲድኩምን እዞም ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ብምምላእ ክትረቱ ከምእትክእሉ ክነፍልጥ ንፈቱ።

1. ናይቲ ዝወዳደርሉ ንግዲ ዘርፊ ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ኣብ ጨረታ ዝክፈተሉ ኮፒ ዘቅርብ

2. ሰነድ መዐደጊ ዘይምለስ 50 ብር ዝኸፍል።

3. ሰነድ ዝሽየጠሉ ካብ ዕለት 18/06/2017 ዓ\ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 03/03/2017 ዓ/ምንተከታታሊ 15 መዓልትታት ይከዉን።

4. ጨረታ ሰነድ መረከቢ ግዜ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ኣብ ናይ ስራሕ መዓልቲ ኮይኑ ዝዕፀወሉ ድማ ዕለት 03/07/2017 ዓ/ም ስዓት 8:00 እዩ።

5. ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት እዚ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ኣብ መዓልቲ ተጫራታይ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለዉሱ ራት 03/07/2017 ዓ\ም ስዓት 8፡30 ይከውን።

6. ጨረታ መክበሪ ብሲርኦ ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ቅድሚ ጭረታ ምክፋቱ 5000(ሓሙሽተ ሽሕ) ዘትሕዝ።

7. ኣብ ጨሪታ ሰነድ ናይ ተጫረቲ ንፁር ዝኮነ ስም፣ ፌርማን ሕጋዊ ማህተም ኣብ ሕድ ሕድ ገፅ ጨረታ ክግበሮ ኣለዎ::

8. ሰዓራይ ምስ ተፈለየ ናይ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10% ውዕሊመክበሪ ብስፒኦ/ጥረ ገንዘብ ዘትሕዝ።

9. ተጫራታይ ሰዓራይ ምካኑ ደብዳቤ ካብ ዝፈለጠሉ(ዝተፅሓፈሉ) ዕለት ጀሚሩ አብ ዉሽጢ

10. ተመዓልቲ ዝሰዓሮ ንብረት ናብ ወረዳ ፃዕዳ እምባ ቤት ፍርዲ ኣታዊ ይገብር አታዊ እንተዘይገይሩ ዘትሓዞ ዕሲ መክበሪ ብር ተወሪሱ ብሕጊ ይሕተት።

10. ኣብዚ ጨረታ ዝኮነ ተጨራታይ ኮነ ኢሉ ነቲ ጨረታ ዘዛብዕ ወይ ክዓ ከዛብዕ ዝሙክር ዘትሕዞ መክበሪ ጨረታ ተወሪሱ ብመምርሒ ዕደጋ ብሄ/ክ/መ/ት ቁፅሪ 255/2007 ብዝእዝዞ መሰረት ናብ ሕጊ ቀሪቡ ተሓታታይ ይከዉን ዝርዝር ናይ ጨረታ መምርሒ ምስ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝሽየጥ ምኳኑ ንሕብር

ናይ ጨረታ መምርሒ

1. ብንግዲ ስራሕ ዝተሳማረየ ምዃኑ ዝወሃቦ መፍለዩ-tin card ኮፒን ዘቅርብ።

2. ኣብ ናይ መንግስቲ ግዝኢት ንምስታፍ ዝተዉሃቦም ናይ መቅረባይ ካርዲ ኣብ እዋን ጨረታ ኮፒን ዘቅርብ።

3. እቲ ጨረታ ኮነ ኢሉ ዘዛብዐ ካብቲ ጨረታ ዝወፅእ ኮይኑ ዘትሓዞ ጨረታ መክበሪ ተወሪሱ በቲ ናይ ክልል ትግራይ ዕድጊት መምርሒ ዝድንገግ ብሕጊ ተሓታታይ ይከዉን።

4. ድሕሪ ጨረታ ምክፋቱ ዝኮነ ይኩን መመሓየሺ ኣብ ረታ ሰነድ ምግባር ብፍፁም ኣይፍቀድን።

5. ተጫራይ ዝሰዓሮ ንብረት እቲ ጨረታ ስዓራይ ምዃኑ ካብ ዝፈለጠሉ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ 5(ሓሙሽተ) ተከታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ኣብ ወረዳ ፃዕዳ እምባ ቤት ፍርዲ ዉዕሊ ይኣስር።

6. ኣብቲ ጨረታ ከይዲ ቅሬታ እተሃይልዎ ዉሳነ ካብ ዝረከበሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ 3 (ሰለስተ) መዓልቲ ተከታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ጥራሕ ቅሬትኡ ናብ ወረዳ ፃዕዳ እምባ ቤት ፍርዲ ብፅሑፍ ከቅርብ ኣለዎ።

7. ኣብቲ ሓረታ 2 ን 3 ን ደረጃን ዝኮኑ ተጫረቲ ናይ ጨረታ መክበሪ ጨረታ ዝስዓረ ኣካል ዉዕሊ ምስ ኣሰረ ሽዑንሽ ይምሰለም

8. እቲ ቤት ፅሕፈት ጨረታ ምስ ተከፈተ ከም ኣድላይነቱ ናይቲ ዝግዛእ ንብረት ካብ ጠቅላላ ገንዘብ በቲ መምርሒ ዝፈቅዶ 20 ፐርሰንት ናይ ምቅናስ ወይ ናይ ምዉሳክ መሰል ኣለዎ።

9. ሰዓራይ ናይ ዝሰዓሮ ጠቅላላ 10 ፐርሰንት ዉዕሊ መክበሪ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል። ዝሰዓሮ ንዝረት ብናይ ባዕሉ ኩሱ ወፃኢ ሸፊኑ ኣብ ዉሽጢ 10(መዓልቲ) ናብ ወረዳ ፃዕዳ እምባ ቤት ፍርዲ ዘረክብ።

10. እቶም ዝቐረቡ ኣቁሑት በቲ ዝወፅእ እስፐስፊኬሽን እንተዘይኮይኑ እቲ ዝመፀ ንብረት ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ተመላሽ ገይሩ በቲ እስፐስፊኬሽን መሰረት ከምፅእ ግዴታ ኣለዎ።

11. ተራታይ ካብቲ ናይ ትግራይ መምርሒ ዕድጊት ወፃኢ ናይ ግዜ ገደብ ሂቡ ተወዳዳራይ ኣብ ዝኮነሉ በቲ ናይ ትግራይ ዕደጋ መምርሒ ዝተኣናገድ ምኳኑ ፈሊጡ ናይ ባዕሉ መምርሒ ከቐምጥ ከም ዘይብሉ እንተቀመጠ እን ባልነት የብሉን።

12. ቤት ዕዮና ተጸራታይ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘየለዉሉ ናይ ምክፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

13. ዓራይ ዝሰዓሮ ንብረት በቲ ዝድለ መግለፂ ምኳኑ እናተረጋገፀ የረክብ።

14. ጨረታ ሰነድ ዝሽየለ ኣብ ወረዳ ፃዕዳ እምባ ቤት ፍርዲ

15. ናይ ጨረታ ፖስታ ንምርካብ ኣብ ወረዳ ፃዕዳ እምባ ቤት ፍርዲ ዉሽጢ ዝርከብ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ይክን።

16. ቤት ፅሕፈትና ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

17. ተጫረቲ ዘእተዉዎ ናይ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ ጨረታ ካብ ዝክፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ቀፃሊ 30 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝንዕ ይከዉን።

18. ቫት ተመዝጋቢ ክከዉን ኣለዎ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914403499 ደዊሎም ምሕታት ይከኣል።