ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓብዮ ዓዲ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት ፅ/ት ትልምን ፋይናንሰን ከተማ ዓ/ዓዲ ኣብ በጀት 2017ዓ/ም ናይ 2 ጡሙር ዕድጊት ንከተማ ዓ/ዓዲ ግልጋሎት ዝ ውዕል ናይ ኤሌትሮኒክስን ፅሕፈት መሳርሒን ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይድሊ:: በዚ መሰረት ኣብቲ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ መቅረብቲ በዚ ዝስዕብ መሰረት ንክትወዳደሩ ንዕድም

• ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩምን ናይ 2017ዓ/ም ዘሐደኩም

• እቲ ጨረታ ናይ በዓል ዋና ሕጋዊ ማህተምን ፊርማን ክህልዎ ኣለዎ

• ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ/ት/ ዝኮኑ ናይ ታሕሳስ 30/2017 ዓ/ም ሪፖርት ዝገበሩሉ ዋንኡ ምስ ሓደሮ ከቅርብ ዝክእል

• ናይ መቅረባይነት መለለይ ካርዲ ዘለኩምን ዘሐደኩምን

• ናይ ግብሪ ክፋላይ መለለይ ካርዲ / TIN / ዘለኩም

• ናይ ኤሌትሮኒክስ 3000 CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ክትሕዝ ዝክእል

• ፅሕፈት መሳርሒ 5000 CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል

• ንሓደ ደኩመንት ዘይምለስ 200 ብር ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ት/ፋይናንስ ከተማ ዓ/ዓዲከይዲ ስራሕ ፅፋ ንምምሃር ክፍሊ ብምግዛእ ክረት ዝክእል

• ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅት ትፋይናንስ ከተማ ዓ/ዓዲ ምልክታ ካብ ዝተጠቀዐሉ ዕለት ጀሚሩ ብምውሳድ ናይ መወዳደሪ ዋጋኩም

• ብምምላእ ኩሎም ዝተጠቀሱ ኣድለይቲ ዶክሜንት ኮፒን ኦርጅኖልን ነንበይኑ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰነድ ጨረታን ዝተዓሸገ ፖስታን ናይ በዓል ዋና ማህተምን ፊርማ ብምፅሓፍ ኣብ ቤት ፊት ትፋይናንስን ከተማ ዓዲ ዝተዳለወ ሳንድቅ ንክትእእውን ንክትወዳደሩን እናተሓሳሰብና

• ምልክታ ኣብ ኣየር ዝፅንሐሉ ካብ ዕለት 18/06/2017 ዓ/ም ክሳብ 28/06/2017 ዓ/ም ናይ ንጉሆ 4፡30

• ሳንድቅ ጨረታ ዝዕሸሉ ዕለት 28/06/2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡30ንጉሆ

• ሳንድቅ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 28/06/2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡40ንጉሆ

• እቲ ጨረታኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ይክፈት

• እቲ ዝስዓርኩምዎ ዝርዝር ንብረት ናብ ቤት ትፋይናንስን ከተማ ዓ/ዓዲ ናይ መጓዓዝያ ሓዊሱ ዛቅርብ

• ቤት ፅ/ትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉ እወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መስሉ ዝተሓለወ እዩ

• ስዓራይ ካብ ዝተነገረሉ ኣብ ውሽጢ 7 መዓልቲ ካቅረብ ዝክእል

• ኣብቲ ዝወፀ ስፔስፌክሽን ወይ መግለፂ ምንክካእ ውይ ምቅያርን ምስራዝ ኣይፍቀድን

• ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪታት ስልኪ 0914754301/0914120820/0914242030/0914747125

NB -- ኣድራሻና 03 ቀበሌ ዓ ግዲ ኣብ ናይ ከተማ ምም/ር ሀንፃ ምስ ሰላምታ ዘ