ምልክታ ጨረታ
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ፕሪንተር (ID card Printer) ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ዝለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፣፣
1. ናይ 2017 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፣
2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣
3. ቫት ተመዝገብቲ ዝኾኑን ዝተመዝገብሎ መረዳእታ ናይ ወርሒ ጥሪ 2017 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኸእሉን፣
4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2017 ዓ.ም ከቕርቡ ዝኽእሉ፣
5. ጨረታ መኸበሪ ሰነድ ብስፒኦ (CPO) ብር 6,000.00 ዘትሕዙ፣
6. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣
7. እዚ ጨረታ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ 10% ናይ ዝመልኦ ዋጋ መኸበሪ ውዕሊ ብምቕራብን ዘየማትእ ውዕሊ ብምእሳርን እቲ ዝድለ ንብረት ኣብቲ ውዕሊ ኣብ ዝነፀር ጊዜ ገደ ከቕርብ ዝኽእል፣
8. ናይታ ፕሪንተር ዝገልፅ Company Warranty Letter & Support Letter ከቕርብ ዝኽእል፣
9. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ። ብንውር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር፡፡
10. ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣
11. ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ጥቓ ቤተ መንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስ) ቢሮ ቑፅሪ 150 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ብር 200.00 ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል፣
12. ማ.ል.ት እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣
13. እዚ ጨረታ ዕለት 01/07/2017 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማልት ይኸፈት፡፡