ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቋሒ
1. ናይ ዘመኑ ናይ መንግስቲ ግብሪ ዝኸፈልኩምን ንግዲ ፍቓድ ዘሐደስኩም።
2. ናይ ግብሪ ከፈልቲ ቑፅሪ ቲን ምምዝጋብኩም መረዳእታ ክተቕርቡ ትኽእሉ።
3. ቫት ምምዝጋብኩም መረዳእታ ክተቕርቡ ትኽእሉ።ከምኡዉን ሕሉፍ ወርሒ ቫት ዲክላሬሽን ከቕርብ ዝኸእል፡፡
4. ብመቕረባይነት ዝተመዝገብኩምን መረዳእታ እተቕርቡ።
5. መኸበሪ ጨረታ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቑሑት ብር 15,000 /ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ብር ጥራሕ/፡ ብመልክዕ ሰፒኦ /CPO/ ጥራሕ ክተትሕዙ እትኽእሉ።
6. ናይ ጨረታ ሰነድኹም ብሰምዒ ብዝተአሸገ ኤንቨሎፕ ሓደ ዋንኡን ሓደ ቕዳሑን ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ኣብ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ቢሮ ቑፅሪ 3 ኣብ ናይ ቢሮ ሰዓት ምእታው ትኽእሉ።
7. እቲ ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት 01/07/2017 ዓ.ም ቕድሚ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 4:30 ይኸፈት።
8. መሸነፊ ትካል ብዝተውሃቦ ስፔስፊኬሽን መሰረት ዘቕርብን መወዳደሪ ዋጋ ቫት ሐዊሱ ከቕርብ ይግባእ። ዝቐረበ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ከምዝተሃወሶ ገይርካ ይውሰድ።
9. ተጫራታይ ብስፔስፊኬሽን መሰረት ኦሪጅናል ኣቕሓ ከቕርብ ኣለዎ።
10. መሸነፊ ትካል ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዝያ ናብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣታዊ ይገብር
11. መሸነፊ ትካል ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ማዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 15 ናይ ስራሕ መዓልቲ ኣታዊ ይገብር።
12. ነዙይ ዝተዳለ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ከይዲ ዕደጋ ቢሮ ቑፅሪ 3 ዘይምለስ 100.00 ብር ምኽፋል ምወሳድ ትኽእሉ።
13. ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰል ኣለዎ።
“ንተወሳኪ ሐበሬታ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ስ.ቁ 251-03-44-40-04-51 ምድዋል