ቢሮ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ

ምልክታ ፕሮፎርማ ቑፅሪ 03/2017 ዓ/ም

ቢሮ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ ናይ ሞተር ሳይክል ፅገና ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ውዕሊ ኣሲሩ ከስርሕ ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሒ እተማልኡ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

● በቲ ዘርፊ ናይቲ ዘመን ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም መረዳእታ ዘቕርቡ፡

● ናይዚ ዘመን መቕረባይነት ምስክር ወረቐት ከቕርቡ ዝኸእሉ፣

● ግብሪ ከፋላይ መፍለዪ ቁፅሪ (Tax Identification Number) ከቕርቡ ዝኸእሉ፣

● ተወዳደርቲ መረዳእታኹም ፎቶ ኮፒ ገይርኩም ዋጋ መሊእኹም ብዝተዓሸገ ፖስታ ብምትሕሓዝ ካብ ዕለት 12/06/2017 ዓ.ም ክሳብ 14/06/2017 ዓ.ም ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ኣብ ክ/ከተማ ሓወልቲ ፊት ንፊት ፕላኔት ሆቴል ኣብ ዝርከብ ሰናይ ዘበን ህንፃ 4 ደብሪ (ፎቕ) ቢሮ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ (ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስ ንብረት ምምሕዳርን) ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ኸተእትዉ ንዕድም፣

● ዝቐርብ ደኩመንት ብንፁር ብዝረኣየሉ መንገዲ ኮፒ ተገይሩ ክተሓሓዝ ኣለዎ ብንፁር እንተዘይተራእዩ ግን ካብ ዉድድር ወፃኢ ከምዝኸውን ነፍልጥ፡፡

● እቲ ትመልእዎ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓለ ጊዜ እንተንኣሰ እቲ ፕሮፎርማ ካብ ዝተኸፈተሉ ን7ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ይኸውን፡፡

● ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ፕሮፎርማ ብኽፋል ይኹን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።