1 ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፈቃድ ንግዲ ከቅርብ ዝክእልን
2 ዝተሐደሰ ወረቅት ምስክር መቅረባይነተ ከቅርብ ዝክእልን
3 ናይ ግበሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ከቅርብ ዝክእልን ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነን ናይ ወርሒ ሕዳር 2017 ዓም ሒሳብ ዘወራረደሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
4 ጨረታ ሰዓርቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ብፅሬትን በዝሕን ዉዕሊ ካብ ዝአሰርሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 20 መዓልቲታት ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ናብ ኮሌጅ ፖሊስ ክልል ትግራይ ፈልጋ ደዕሮ ካምፓስ ክተቅርቡ እትክእሉ
5 ናይ ዋጋ መቅረቢ ዝተመለአ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን 20 መዓልቲታት ይከዉን
6 ብተወሳኪ እዉን ንነብስወከፍ ንበረት ዝመልእዎ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝወዳደሩ ምካኖም ተወሳኪ እሴት ታክስ የዉስከ ወይድማ የቀንስ ዝብል ሓሳብ መብርሂ ተቀባልነት የብሉን
7 ተጫረቲ ንኣልባሳት 500 ቅርሺ : ንፅህፈት መሳርሒ 200 ቅርሺ : ንኣቅሑት ፅሬት 100 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል ኣብ ዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ማህተም ፊርማ ምስ ስልኪ ቁፅሪ ክገልፅ ዝክእል ካብ 10 ክሳብ 25/6/2017 ዓም ሰዓት 400 ረፋድ ኣብ ኮሎጅ ፖሊስ ትግራይ ፈልጋ ደዕሮ ካምፓስ ዝርከብ ቦታ ናይ ጨረታ ሰንዱቅ ብዝተዓሸገ ፖስታ ዋናን ቅዳሕ ብምፍልላይ ከእተዉ ይክእሉ
8 እቲ ጨረታ ዕለት 25/6/2017 ዓም ሰዓት 400 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 430 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ይክፈት
9 ተጫረቲ ዉሕስና ጨረታ መከበሪ ንኣልባሳት 25000 ቅርሺ :ንመሳርሒ ፅሕፈት 5000 ቅርሺ :ንኣቅሑት ፅሬት 3000 ቅርሺ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
10 እቲ ኮሌጅ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ንብረት ብ 25 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክን ምቅናስን መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
11 እቲ ኮሌጅ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0932726006 0973536523