- 1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ናይ 2017 ዓም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰኩም ንግዲ ፍቃድ ካብ ዝሕደስ ዓመት ዘሐለፎ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ዝተሐደሰ ዘለኩም
- 2 ምስክር ከፋላይነት ግብሪ ማለተ እዉን ቲን ናምበር ዘለኩም
- 3 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝገባ ምስክር ወረቀት ዘለኩም
- 4 ናይ ወርሒ ጥሪ ዲክለሬሽን ክተቅረቡ እትክእሉ ወይ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ናይ ዝሐለፈ ሰለሰተ ወርሒ ዘይሐለፎ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዲክለር ዝገበርኩም
- 5 ናይዚ ዝተዘርዘረ ኩሉ መረዳእታ ዋና ቅዳሕን ኣብ ክልተ ፖስታ ብምዕሻግ ክተቅርቡ እትክእሉ
- 6 ተጫረቲ ነዚ ጨረታ እዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ሰነድ ዘይምለሰ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ እንትጮ ቴክኒክ ኮሌጅ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳርን በዓልኩም ወይ ሕጋዊ ወኪልኩም ክትወስዱ ትክእሉ
- 7 ሕድሕድ ዓይነት ዓይነት መደብ ዝተመደበ ናይ ጨረታ ዉሕስና ኤሌክትሮኒከስ መሳርሒ 10000 :ሎት ክልተ አሌክትሪክ መሳርሒ ሎት ሰለሰተ ህንፃ መሳርሒ 10000 ሎት ኣርባዕተ ፅሕፈት መሳርሒ 10000 ሎት ሓሙሽተ ፅሬት መሳርሒ 5000 ሎት ሽድሽት ሕትመት 5000 ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ብሽም እንትጮ ቴክኒክ ኮሌጅ ዝተፃሐፈ ስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ክተትሕዙ እትክእሉ
- 8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መወዳደሪ ሰነድ እተቅርብዎ ናይ ባዕል ዋና ስምን ክታምን ሕጋዊ ማህተምን ብምዕራፍ ዋና ቅዳሕን ብምግብር ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ኣብ ክልተ ፖስታ ብምዕሻግ ካብ 5/6/2017 ዓም ክሳብ 20/6/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ ኣብ እንትጮ ቴክኒክ ኮሌጅ ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ክተእትዉ እትክእሉ
- 9 ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ኮሌጅና ብምቅራብ በዓል ወይ ብሕጋዊ ወኪሉ አቢሉ ብሐታቲ ኣካልን ቴክኒክ ኮሜቴን ፅሬቱ እናተረጋገፀ ኣተዊ ክገብር ዝክእል መመዝኒ ዘድለዩ ንብረት ናይ ባዕሉ ሚዛን ገይሩ መዚኑ ዘረክብ
- 10 ተጫራታይ ኣብቲ ጨረታ ዝሰዓሮ ንብረት ብደብዳብ ወይ ብስልኪ ምስተገለፀሉ አብ ዉሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስረ ዝክእልን መከበሪ ዉዕሊ 10 ሚእታዊ ከትሕዝ ዝክእልን ድሕሪ ዉዕሊ ምእሳሩ ድማ ኣብ ተከታታሊ 10 ተከታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ንብረቱ ጠቅሊሉ ሚኢቲ ሚእታዊ ከቅርብ ዝክእል
- 11 ዉዕሊ እንተዘይኣሲሩ ግና ዘትሓዞ ትሕጃ ናብ ናይ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይግብር
- 12 ጨረታ ዝሽየጠሉ እዋነ ካብ 5/6/2017 ዓም ክሳብ 20/6/2017 ዓም ይከዉን
- 13 ናይ ተጫረቲ ሰነድ በቢሎቱ ኮይኑ 26/2/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ሽዑ ንሽዑ ሰዓት 4:30 ይክፈት
- 14 ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ን 6 ወርሒ ዘገልግል ዉሕስና ዝህብ
- 15 ኣብ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ምቅባል ተቀባልነት የብሉን ከምእዉን ካብ መዓቀኒ ወፃኢ ምቅራብ ተቀባልነት የብሉን
- 16 ኮሌጅና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
- 17 ናይ ሕድሕድ ዋጋ ዝምላእ ቫት ዝሐወሰ ክከዉን አለዎ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0924294156