ምልክታ ፕሮፎርማ
ቤት ፅሕፈት ህንፀትን ምምሕዳር መጓዓዝያን ወረዳ ራያ ኣላማጣ ከይዲ ስራሕ ቁፅፅር ዲዛይንን ስራሕቲ ህንፀትን ኣብ ናይ 2017 በጀት ዓመት ዋንነቱ ናይ ዘፈር ቁጠባ ዝኮነ ብናይ FSRP በጀት ኣብ ሰለስተ(3) ጣብያታት መሰልጠኒ ሓረስቶት/FIC/ ህንፃ ሕድሳት(ፅገና) ብ ኮንስትራክሽን ንግዲ ትካላት ተዃናተርቲ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ በዚ መሰረት ተጫረቲ ኣብቲ ፕሮፎርማ ንምስታፍ እዞም ስዒቦም ዝተገለፁ ረቛሒታት ከማልኡ ኣለዎም :-
1. ናይ 2017 ዓ/ም ብቕዓት መረጋገፂ ስራሕ ተዃናታሪ ፍቓድ ምስክር ወረቐት ዘለዎም
2. ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ብቤት ፅሕፈት ልምዓት ንግዲ ትካላት ዝተዉሃቦ ብርኪ ትካል ምስክር ወረቐት ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቐትን ንግዲ ሰራሕ ፍቓድን ኮንስትራክሽን/ተኾናታሪነት/ምዝገባ ግብሪ ከፋሊ ምዝገባ ሰርተፍኬት/TIN //ናይ ቫት ምዝገባ ምስክር ወረቐትን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ናይ ቫት ዲክላሬሸን ከቕርብ ኣለዎም።
3. ተጫረቲ መኽበሪ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ወይ ፋይናንሳዊ ትካላት ብር 30,000 (ሰላሳ ሽሕ ብር) ብ CPO ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ውሕስና ባንኪ ጋራንት ከቕርቡ ኣለዎም ፡፡
4. ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረቱሉ ፕሮጀክት ሰራሕቲ ሳይት ካብ ዝተረከቡሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 75 /ሰብዓን ሓሙሽተን/ ተኸታተልቲ መዓልቲታት ውሽጢ ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ ኣለዎም ።
5. ኩሎም ተጫረቲ ፕሮፎርማ ሰነድ ካብ ዕለት 5/06/2017 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ቤትፅሕፈት ህንፀትን ምምሕዳር መጓዓዝያን ወረዳ ራያ ኣላማጣ ከይዲ ስራሕ ቁፅፅር ዲዛይንን ስራሕቲ ህንፀትን ኣብ ከተማ ኣላማጣቲቪቲ ክወስዱ ይኸእሉ እዮም።
6. ተጫረቲ ናይ ዝወዳደርሉ ፕሮጀክት ሓደ ኦርጅናልን ክልተ ኮፒ ኣብ ሓደ ዓብዪ ፖስታ ብምዕሻግ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንድቑ ክሳብ ዕለት 12 /06/2017 ዓ.ም ሰዓት 3:00 ናይ ንጎሆ ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ ይኽእሉ እዮም እቲ ፕሮፎርማ በቲ ዝተጠቀሰ ዕለት ሰዓት 3:00 ይዕፆ።
7. ተወዳርቲ ኣብቲ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ዝቐረቡ ቕጥዕታት ብትኽክል መሊኦም ኣብ ሕድ ሕድ ገፅ እቲ ሰነድ ፕሮፎርማ ፊርማ ፈሪሞምን ማሕተም ሓቲሞም ቕደም ሰዓብ ሓሊዎም እቲ ሰነድ ፕሮፎርማ ከምቲ ክሽየጥ እንከሎ ዝነበረ ከየጓደሉ ከቕርቡ ኣለዎም።
8. ኣሸናፋይ ዝከውን ዝተሓተ ዋጋ ዘእተወ እዩ
9. ኩሎም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ዕለት 12/06/2017 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ህንፀትን ምምሕዳር መጓዓዝያን ወረዳ ራያ ኣላማጣ ከይዲ ስራሕ ቁፅፅር ዲዛይንን ስራሕቲ ህንፀትን ኣብ ኣላማጣ ቲቪቲ ፕሮፎርማ ይኽፈት ።
10. እቲ ቤት ፅሕፈት ካሊእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ወይ ድማ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
11. ሰዓራይ ምዃኑ ምስተነገሮ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልቲ ናይ ዘሸነፎ ጠቅላላ ዋጋ 10% ኣትሒዙ ውዕሊ ይኣስር
12. ቤት ፅሕፈትና ኣድቫንስ ፔይመንት/ ቅድመ ክፍሊት / ዘይከፍል ምዃኑን እቲ ስራሕ 30% ምስበፅሐ ብመሃንዲስ ተዓቂኑ 1ይ ክፍሊት ይፍፀም እቲ ስራሕ 60% ምስበፅሐ ብመሃንዲስ ተረጋጊፁ 2ይ ክፍሊት ይፍፀም እቲ ስራሕ ሙሉእ ብሙሉእ ምስተጠናቐቐ ናይ ግዝያዊ ርክክብን ክፍሊትን ይፍፀም፡፡
13. ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ቤት ፅሕፈት ህንፀትን ምምሕዳር መጓዓዝያን ወረዳ ራያ ኣላማጣ ከይዲ ስራሕ ቁፅፅር ዲዛይንን ስራሕቲ ህንፀትን ኣብ ከተማ ኣላማጣ ቲቪቲ ብኣካል ብምቕራብ ወይ ድማ ብቑፅሪ ስልኪ 0919007412 ምሕታት ይኽእሉ እዮም ።
ኣብ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ቤት ፅሕፈት ህንፀትን ምምሕዳር መጓዓዝያን ወረዳ ራያ ኣላማጣ ከይዲ ስራሕ ቁፅፅር ዲዛይንን ስራሕቲ ህንፀትን