1 ብናይ ማይ ህንፀት ስራሕቲ ደረጃ 8 ልዕሊኡን ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ንግድ ፍቃድ ዘለዎም
2 ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ብቅዓት መረጋገፂ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ : በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ ናይ 2017 ዓም ናይ መቀረባይነተ ምስክር ወረቀት : ምስክር ወረቀት ምዝገባ ተወሳኪ እሴት ታክስ ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2017 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ዲክለሪሽን ከቅርብ ዝክእል
3 ተወዳደርቲ ኣብ ዝሐለፈ 8 ዓመታት ኣብ መንግስታዊ ወይ ናይ ገብርቲ ሰናይ ፕሮጀክት ብድምር ክልተ ሚሊዩን ቅርሽ ልዕሊኡን ኣብ ናይ ማይ ስራሕቲ ጥራሕ ብኣግባቡ ዝሰርሐ ምካኑ ዝገልፅ ናይ ድጋፍ ወረቀት ወይ ክፍሊት ስነድ ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእል
4 ተወዳዳራይ ነቲ ፕሮጀክት ጀሚሩ ከቀፅል ምካኑ ንምርግጋፅ እንተናአሰ ሐደ ሚሊዩን ኣብ ባንኪ ሒሳቡ ዘለዎ ምካኑ ዘረጋግፅ ሕጋዊ ናይ ባንኪ ደብዳቤ ወይ ናይ ባንኪ ስተትመት ብተወሳኪ ናይ ልቃሕ መማረፂ እንተሃሊዉ እዋን ነቲ ዝተገለፀ መጠን ገንዘብ ብልቃሕ ዝረክብ ምካኑ ካብቲ ዘለቀሖ ባንኪ አቀዲሙ ዝተዉሃቦ መረጋገፂ አተሓሒዙ ከቅርብ አለዎ
5 ተወዳደርቲ መከበሪ ፕሮፎርማ 100000 ሐደ ሚኢቲ ሽሕ ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ብስፒኦ ወ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ባንኪ ዉሕስና ከቅርብ አለዎ
6 ሰዓራይ ዝከዉን ተወዳዳራይ ኩሎም ዝተሐተቱ ረቆሒ ኣማሊኡ ዝተሐተተ ዋጋ ዝመለአ ይከዉን
5 ሰዓራይ ተኮናተራይ ምስዓሩ ምስተረጋገፀ ካብ ዝተረከበሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕል ብምእሳር ዲዛይንን ዝርዝር መረዳእታ መሰረት ብማሽን ኢስካቫተር 330 HP ባዕል 6 ሚትሮ ንዉሓት ኣእቲኡ ክኮትን ኣብ ጠንካራ ከዉሕ ኣብ ዘጋጥመሉ ግዝ ዝኮት ማሽን ኢስካቫተር 330 HP ምስ ጃክ ሃመርን ካልኦትን ኣድለይቲ ዝባሀሉ መሰራሒታት ኣብ ዉሽጢ 90 መዓልቲ ሰሪሑ ከረክብ አለዎ
6 ሰዓራይ ተወዳደሪ መከበሪ ጨረታ 10 ሚእታዊ ብጥረ ገንዘብ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ስፒኦ ወይድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ባንኪ ዉሕስና ከትሕዝ ከምዝክእል ከፍልጥ አለዎ
7 ሰዓራይ ዝከዉን ብናይ ሎት ድምር ኮይኑ ዝተስዓረ ናይ ሐደ ሎት ድምር ዋጋን ብ15 ሓባር ዒላ ጠቅላላ ተራቢሑ ጠቅላላ ዉዕሊ ይኣስር
8 ተወዳደርቲ ናይ ዝወዳደርሉ ፕሮጀከት ምሉእ ሰነድን ዋጋ ዝሐዘ ሰነድ ቅድም ኢሎም ዝተጠቀሱን ኩሎም መረደእታት ዋናን ክልተ ቅዳሕን ኣብ ዝተፈላለየ ፖስታት ምስዓሸጉ ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ኣብ ናእሽተይ ነብስወከፍ ፖስታት በማርክር ብዝረአ ቀለም ብምፅሓፍ ማሕትም ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ክዓርፎ ብምግባር ዳግም ኮሎም አናእሸተይ ፖስታት ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ መሊሲም ብምዕሻግን እቲ ዕሻግ ማህተም ክዓርፎ ብምግባር ናይቲ ዝወዳደርሉ ፕሮጀክት ሽም ናይ ኮንትራክተር ሽምን ኣድራሻን ኣብ ዕል እቲ ፖስታ ብማረከር ብምፅሓፍን ነቲ ዉድድር ተባሂሉ ኣብ ቢሮ ቁፅረ 7 ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክኣትዉ አለዎ
9 ኩሎም ዝተሐተቱ መለኪዒ ዝሐዙ ዋና መረዳእታት ብፖስታ ብምዕሻግ ወይ ብኣካል ሒዝኩም ክትመፅኡ እናሐበርና ንዘቅረብክምዎ ቅደሕ መረዳእታ አገናዚብና ሽ ንሽ ተመላሲ ይግበር
9 ተወዳደደርቲ አብቲ ሰነድ ብትክክል መሊኡም ኣብ ነብሰ ወከፍ ሰነድ ጨረታ ፈሪሞምን ሓቲሞምን ቅደም ሰዓብ እንተይኣዛብዕ ክምቲ ክሽየጥ ዘሎ ዝነበረ ከየኣጎደሉ ከቅርቡ አለዎም
10 እዚ ዋጋ ፕሮፎርማ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 30 መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ
11 ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ወረዳ ላዕላይ ማይጨዉ ቢሮ ቁፅሪ 7 ዘይምለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ካብ 28/5/2017 ዓም ክብ ዕለት 4/6/2017 ዓም ሰዓት 11:30 ምዉሳድ ይክእሉ
12 ሰነድ ፕሮፎርማ ዕለት 4/6/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ይክፈት ተጫረቲ ብዘይምርካም ከይዲ ጨረታ ኣይተኣጎጎልን
13 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረጺ እንተረኪቡ ነዚ ጨረታ ፕሮፎርማ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0913875262