ቐፅሪ 768 7-14/2017
ዕለት_26/5/2017ዓ/ም
ምልክታ ግልፂ ጨረታ ቑፅሪ /2017
ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣብ 2017 በጀት ዓመት ዝተፈላለዩ ናይ መኪና ጎማ፣ባትሪ ፣ቅብኣት፣ መፀባበቂ፣ ኣቁሑትን ፅሕፈት ኣቁሑት ፈርንቸር ብብርኪ ክልል ትግራይ ግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዚ ፦
1. በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዋንኡን ሓደ ኮፒን ከቕርብ ዝኸእል፤
2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ II ሰርትፊኬት ዋንኡን ሓደ ኮፒን ከቕርብ ዝኸእል፣
3. ንተወሳኺ እሴት ታክሲ /VAT/ ዝተመዝገበ ኮይነ ልI ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ናይ 2017 ዓ/ም ናይ VAT ያክላሬሽን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኸክውን ኣለዎ ዋንኡን ሓደ ኮፒን ካቕርብ ዝኸእል፤
4. በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምዃነን ናይ ዘመነ ዝተሓደሰ ምስክር ወረቐት ዋንኡን ሓደ ኮፒን ከቕርብ ዝኸእል፤
5. ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኾነ ተወዳዳራይ ዝሰዓሮ ንብረት ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ስራሕ መዓልቲን ተዳምን ሰንበትን ካልኦት በዓላቲን ሓውሱ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዝያ ናብ ቢሮና ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሓተተ ፅሬትን መጠንን ከቕርብ ዝኸእል፤
6. ናይ መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ፤ናይቲ ትካል ሽምን ኣድርሻን፤ማህተም ፊርማን ዘለዎ ክኸውን ይግባእ፤
7. ተጫራቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ኣብ 3 ምድብ ንዘለዉ ዝርዝር ንብረታት ንሕድ ሕድ ዘይምለስ ብር 100.00 /ሓደ ሚኢት ብር ጥራሕ/ እናኸፈለ ካብ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ዳይሮክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ 317 ሰነድ ጨረታ ገዚኡ ክወዳደር ይኸእል፣
8. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኸበሪ ሰነድ ጨረታ ናይ መኪና ጎማ ባትሪ ቅብኣት፣ መፀባበቂ፣ ኣቁሑትን ፅሕፈት ኣቁሑት ፈርንቸር ብር 5,000(ሓሙሽተ ሽሕ ጥራሕ) ብሽም ቢሮና ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ / Bureau of Justice/ ብ CPO ወይ ብጊዜ ዘይተገደበ ሰርቲፋይድ ቼክ ኣብ ባንኪ ዝተረጋገፀ ወይ ድማ ብጥረ- ገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ገንዘብ ተሓዚ ወይ ድማ ጨረታ ቕድሚ ምኸፋቱ ከቕርብ ዝኽእል፣ካብዚ ወፃኢ እቲ ዝቐረበ ጨረታ መኽበሪ ገንዘብ ካብቲ ዝተሓተተ ናይ ገንዘብ መጠን ዝተሓተ እንተኾይኑ ብዘይ ምንም ቕድመ ኩነታት ካብቲ ጨረታ ይስረዝ:
9. እቲ ጨረታ ዕለት- 27/05/2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 06/06/2017 ዓ/ም ኩሉ ጊዜ ልክዕ ሰዓት 8፡00 ድ/ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ስዓት 8፡30 ሰዓት ኣብ ቢሮ ፍትሒ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ፤ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቑፅሪ 317 ተረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለወሉ ይኸፈት።
10. ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ።
11. እቲ ጨረታ ምስተኸፈተ ቢሮና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20% ክቕንስ /ክውስኸ ይኸእል እዩ።
12. ሰዓራይ እቲ ዘቕርቦ ንብረት ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ትኸክለኛ ምዃኑ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸን።
ሓበሬታ፦ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 03 44 40 87 14 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል