ጨረታ ፕሮፎርማ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኣብ 2017 ዓም በጀት ዓመት ካብ ስደታት ፅዕንቶ ምንካይ ምላሽ ዉሃቢ ልምዓት ፕሮጀክት ማለት RDIP 2 ብዝተረከበ በጀት ኣብ ወረዳና እትርከብ ጣብያ ማይ ኩሕሊ ህንፀት ሐድሽ ዝርገሐ መስማር ማይ ህንፀት ሐድሽ ዋና ማይ መዋህለሊ ገንኢን ፓምፕ ካባቢ ድማ ዝራያ ሓፁር ምሕፃር ህንፀት ሐድሽ መዓደሊ ነቁጣ ማይን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ፅገና ማለት እዉን ፅገና ዝነበረ መዋህለሊ ማይ ገንኢ ፅገና ናይ ዋርዲያ መሕደሪ ገዛን ፅገናን ማዐደሊ ማይ ናቁጣታትን ሶላር ሲስተምን ዝረገሐን ተከላን ብዝሓዞ ትልሚ መሰረት ተጫረቲ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ
1 ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ብናይ ማይ ተንከፍ ስራሕቲ ተኮናተራይነት ፍቃድ ንግዲ ዘለዎ
2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዘለዎ
3 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነ
4 ናይ 2017ዓም ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ዝገበረሉ መረዳእታን ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ዘለዎን ዋና ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል
5 ኩሎም ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ዝምለስ 150000 ቅርሺ ብስፒኦ ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ብስም ቤት ፅሕፈት ልምዓት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ከትሕዝ ዝክእል
5 ሰነድ ካብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ፋይናንስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ምምሕዳር ንብረት ክፍሊ ቁፅሪ 2 ምዉሰድ ይከኣል
6 ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳይ ሰዓራይ ምካኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ 5 ናይ ቅሬታ መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊክኣስር ዝክእል ምካኑ እዉን ክፈልጥ አለዎ
7 እቲ ዝሰዓሮ ንብረት ድማ 10 ሚእታዊ ብስፒ ወይ ብጥረ ገንዘብ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተምሰረተናይ ባንኪ ዉሕስና መከበሪ ዉዕሊ ከትሕዝ ይግባእ
8 ሰዓራይ ዝኮነ ተጫራታይ ሳይት ወይ እዉን እቲ ዝሰርሖ ቦታ ካብ ዝተረከበሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 90 ተከታታሊ መዓልቲታት ሙሉእ ብሙሉእ ፈፂሙ ከረክብ አለዎ ከምእዉን ንዚ ዘርኢ ናይ ግዜ ሰሌዳ እዉን ከቅርብ ዝክእል
9 ተጫረቲ ብቅዑ ናይ ስራሕ ልምዲ ዘለዎ ምካኑ ንምርግጋፅ ነዚ መረዳእታ ዝከዉን ካብ 2011 ዓም ክሳብ ሕዚ እንተናአሰ ኣብ ሐደ ናይ ማይ ተንከፈ ፕሮጀክት ስራሕ ሽድሽተ ሚሊዩን ቅርሽ ዝግመት ብዝድለ ፅሬትን መጠንን ሰሪሑ ዘረከበ ምካኑ ካብ ዝሰርሐሉ ትካል ናይ ፅሑፍ መረዳእታ ብዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል
10 ተጫረቲ ንመጀመሪ ስራሕ ዝከዉን እንተናአሰ ሰለሰተ ሚሊዩን ዘለዎ ምካኑ ብኣድራሻ ናብ ቤት ፅሐፈትና ብዝተፃሓፈ ናይ ባንኪ ደብዳቤ ምሳ ባንኪ ሰተትመንት ማለት እዉን ድሕሪ ሕዳር 2017 ዓም ናይ ባንኪ ሰትትመነት ከቅርብ አለዎ
11 ተጫረቲ እቲ ስራሕ ብኣግባቡ ንምስራሕ ዝድልዩ ማሽነሪታት ተሽከርከርትን ማለት እዉን እስካቫተር ዳምብ ትራክን ሃንድ ኮምፓክተር ቫይቭሮተር HDP welding machine ካብ 50 ክሳብ 160 mm ከምእዉን ጀነሪተር ነይ ባዕሉ እንተሃሊዎ ናይ ዋንነት መረጋገፂ ሌብሪ ተካሪዩ ዝሰርሕ እንተኮይኑ ድማ ናይ ማሽናትን ተሽከርክርትን ተከራይን መካረየን ዉዕሊ ምስ ናይ ጨረታ ሰነድ ኣተሓሒዙ ከቅርብ አለዎ
12 ኣብዚ ጨረታ ሰዓራይ ዝከዉን ተጫራቲ ናይ መወዳደሪ ዝተቀመጡ ቴክኒካል መዓቀኒታት ካብ ዘማልኡ ተወዳደርቲ ዉሽጢ ንኩሎም ስራሰሕቲ ዘመልእዎ ዋጋ ድምር ዝተሐተ ዋጋ ዘቅረበ ተጫራታይ እዩ
13 አፈፃፅማ ክፍሊት ዝምልክት ዝተሰርሑ ስራሕ ብባዕል ሞያ እናተረጋገፁ ተኮናተርቲ ብዝመልኦ ነፀላ ዋጋ እንዳተባዝሐ ክፍሊት ዝፍፀም ይከዉን
15 ኣብቲ ጨረታ ዝቀርብ ናይ ኮንስትራክሽን ዋጋ እዚ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 45 መዓልቲ ዝፀንዕ ይከዉን
16 ብተጫረቲ ዝቀረበ ናይ መወዳደሪ ሓሳብን ዋጋን ናይ ባዕል ዋና ፊርማ ዕከትን ሕጋዊ ማህተምን ክህልዎ ይግባእ
17 ዝምላእ ዋጋ ብናይ ኢትዩጰያ ቅርሺ ጥራይ ክምላእ አለዎ
18ተጫረቲ ዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ብግልፂ ዝንበብ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ዝትሰረዘ እንተሃልዩ ድማ ኣብ ቅድሚቱ ናይ ባዕል ዋና ክታም ክፍረመሉ ግዴታ እዩ
19 ኣብ መወዳደሪ ወጋ ኣብ ነፀላ ዋጋን ኣብ ሐፈሻዊ ዋጋን አፈላላይ ክህልዎ የብሉን ኣፈላላይ እንትሃልዩ ድማ ኣብ ነፀላ ወጋ ዝተመለአ ዝዉሰድ ይከዉን
20 ተጫረቲ ናይ ቴክኒካልን ናይ ፋይናንሽልን ሰነዳት ፖርፎርማ ዋና ኣብ ሐደ ፖስታ ከምእዉን ክልተ ቅዳሕ ኣብ ካልኦት ዝተፈላለዩ ፖሰታት ብጠቅላላ ኣብ ሰለሰተ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ተዓሺጎም ነብስ ወከፎ ድማ ኣብ ዝባኖም ትሕዝቶ ፖስታ ስም ሙሉእ ኣድራሻን ተጫራታይ ዝወዳደረሉ ሰራሕ ፈሉይ ቦታ ብምፅሓፍ ናይ ትካሎም ሕጋዊ ማሕተም ሓቲሞም ብምድላዉ እንገና ሰለስቲኦም ፖስታታት ኣብ ሐደ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ናይ ተጫራቲ ሽም ሙሉእ ኣድራሻ ዝወዳደሩ ዘሎ መንገዲ ስራሕ ፍሉይ ቦታ ብምፅሓፍ ናይ ትካሎም ሕጋዊ ማህተም ሓቲሞም ብምዕሽግ ቤት ፅሕፈት ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ነዚ ጨረታ ኢሉ ናብ ዘዳለዎ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትዉ አለዎም
21 እዚ ጨረታ 28/5/2017 ዓም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘተረክበሉ ሰዓት 4:00 ይክፈት እዚ ከምዘሎ ከይኑ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዛይምርካቦም እቲ ጨረታ ካብ ምክፋት ኣይዓግትን
21 ቤት ፅሕፈትና ካብ ዝቀረበ ጠቅላላ ዋጋ 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክን ምቅናስን መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
22 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914363362 / 0914415550 0914