- ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም ቅዳሕ ገይሩ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
- ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቲን ናምበር ዘለዎም ቅዳሕ ገይሩ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
- ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ቅዳሕ ገይሩ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
- ተጫረቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምስክር ወረቀት ቅዳሕ ከቅርብ ናይ ወርሒ መስከረም 2017 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ዲክለር ቅዳሕ ገይሩ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
- ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 19/5/2017 ዓም ክሳብ 10/6/2017 ዓም ብተካታታሊ መዓልቲታት ኣብ ዘሎ እዋን ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ንብረትን ምምሕዳር ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ቀበሌ 03 ኣብ ዉሽጢ ኣዳራሽ ሃፈቶም ቀፅሪ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ብምምፃእ ዘይምለስ 300 እናድካፈልኩም ክሳብ 10/6/2017 ዓም ሰዓት 3:30 ክትወስዱ ትክእሉ
- እቲ ጨረታ ዕለት 10/6/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓተ 4:30 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
- ጨረታ ሰነድ በቲ ኣብ ምልክታ ዝተገለፀ መሰረት አማላኡ እንተተረኪቡ ብዘየለዉሉ እዉን እንተኮነ ንምክፋት ዝዓግት ነገር የለን
- ናይ ጨረታ መከበሪ ፅሕፈት መሳርሒ 15000 ቅርሺ ፡ ኤሌክትሮኒክስ 10000 ቅርሺ ፡ ፈርኒቸር 10000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
- ኣብዚ ጨረታ ሰዓራይ ምካኖም ምስተገለፀሎም በቲ መምርሒ መሰረት ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል
- ናይ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ባዕሎም ክታም ማህተምን ኣብ ሕድሕድ ገፅ ብምግባር ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ
- በቲ ጨረታ መምርሒ ሰነድ 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእል እዩ
- ቤት ፅሐፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ