ማሕበር ኣክስዮን ኮንስትራክሽንን ንግድን ኢንዱስትርን ሆርን ኣፍሪካ

ዕለት:- 21/05/2017 

ቁፅሪ:-HACTI 0870/2017

ዝተመሓየሸ ምልክታ ግልፂ ጨረታ ስራሕቲ ህንፃ ኮንስትራክሽን

ማሕበር ኣክስዮን ኮንስትራክሽን፣ ንግድን ኢንዳስትሪን ሆርን ኣፍሪካ ብዕለት 05/05/2017 ዓ/ም ብቁፅሪ HACTI/853/2017 ኣብ ዘውፅኦ ግልፂ ጨረታ ምልክታ ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ዓዲሓቂ (2B+G+15) ፣ ሓወልቲ (2B+G+15) ፣ ሓድነት (B+G+8) ዝርከቡ ፕላን ዝፀደቐሎም ናይ ሪል እስቴት ቦታታት ስራሕቲ ህንፀት ኣብ ሰለስቲኦም ቦታታት ንምስራሕ ከም ዝደለየን በቲ ዘፈር ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለዎም ተወዳደርቲ ኣብቲ ግልፂ ጨረታ ክወዳደሩ ዝዓደመ ምንባሩ ይዝከር።

ይኹን ደኣምበር ኹሉ ከሳትፍ ብዝኽእልን ህልዊ ኩነታት ስራሕቲ ህንፀት መሰረት ብምግባር ብፍላይ ኣብቲ ጨረታ ሰነድ መገምገሚ ረቋሓ ተጫረቲ (Evaluation Methodology Criteria)፣ ምምሕያሽ ናይ ውዕሊ መስርሒ ዋጋ ምምሕያሽ (Price Adjustment) ከምእውን ካብዚ ንታሕቲ ብዝተገለፀ መሰረት እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉን ዝኽፈተሉን ዕለት ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ምምሕያሽ ዝገበርና ምኳኑ እንዳፍለጥና ተደላይ ብቕዓት ተማልኡ ኮንትራክተራት ኣብዚ ግልፂ ጨረታ ክትወዳደሩ ደጊሙ ይዕድም፡፡

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግብኡ ረቋሓታት

1. ተደላይ ብርኪ ኮንትራክተር

1.1. ንዓዲሓቂ ፕሮጀክት ሳይት ብሓፈሻዊ ኮንትራክተር (General contractor) ደረጃ 2 ልዕሊኡን ወይ ብህንፃ ኮንትራክተር (Building contractor) ደረጃ | ስራሕ ፍቓድ ዘለዎ።

1.2. ንሓወልቲ ፕሮጀክት ሳይት ብሓፈሻዊ ኮንትራክተር (General contractor) ደረጃ 3 ልዕሊኡን ወይ ብህንፃ ኮንትራክተር (Building contractor) ደረጃ 2 ልዕሊኡን ስራሕ ፍቓድ ዘለዎ።

1.3. ንሓድነት ፕሮጀክት ሳይት ብሓፈሻዊ ኮንትራክተር (General contractor) ደረጃ 53 ልዕሊኡን ወይ ብህንፃ ኮንትራክተር (Building contractor) ደረጃ 4 ልዕሊኡን ስራሕ ፍቓድ ዘለዎ።

2. ሓደ ተጫራታይ ክወዳደር ዝኽእል ንሓደ ፕሮጀክት ሳይት ወይ ሎት ጥራሕ ይኸውን፤

3. ናይ 2017 ዓ/ም ፍቓድ ስራሕ ዘሓደሰ፣ ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቓድ ንግዲ ስራሕ ዘለዎ፣ ናይ ተወሳኺ እሴት ታክስ ሰርተፊኬት፣ ቲን ቁፅርን ካልኦት ኣገደስቲ ዝበሃሉ ሕጋዊ መረዳእታታትን ፎቶ ኮፒ ኣተሓሒዙ ዘቅርብ፤

4. ድሌት ዘለኩም ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈትና ኣብ ከተማ መቐለ ጥቃ ኣክሱም ሆቴል ዝርከብ ሰላም ሲቲ ሴንተር ህንፃ ሓምሻይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 505 ዘይምለስ ብር 2,500.00 (ክልተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚኢትን) ብምክፋል ክገዝኡ ይኽእሉ፤

5. እቲ ጨረታ ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሐሉ ግዘ ክሳብ ዕለት 04/06/2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡30 ረፋድ ኾይኑ ቀዳም ቅድሚ ሰዓት ሓዊሱ ኣብ ዘለው ኩሎም ናይ ስራሕ መዓልትን ሰዓትን ምዃኑ ፈሊጦም ሰነድ ጨረታ ምዕዳግ ይኽእሉ።

6. ተጫረቲ ሰነድ ጨረትኦም ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ነኒ በይኑ ዶክመንት ሓደ ዋና፣ ክልተ ፎቶ ኮፒ ጨረታ ሰነዳት፣ ናይ ስራሕ ኮንትራክተር ዝተውሃበ ምዝገባ ካርድ፣ ንግዲ ስራሕ ፍቓድ፣ ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቐት፣ መቕረባይነት ምዝገባ ስርቲፊኬት፣ ናይ ቫት ምዝገባ ምስክር ወረቐት፣ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ናይ ቫት ዲክላሬሽን፣ ናይ ቲን ምዝገባ መረዳእታ፣ ውሕስና ጨረታ/ቢድ ቦንድ/ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ብምዕሻግ መሊሶም ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብቲ ልዕሊ ፖስታ ሽም ዝረትሉ ፕሮጀክትን ኣድራሻን ብዝረአ ቐለም ብምፅሓፍን ቤት ፅሕፈትና ክሳብ ዕለት 04/06/2017 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ናይ ቅድሚ ቐትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ ይኽእሉ፤

7. እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ወይ ወኪል እንተድኣ ዘይተረኺቦም እውን እንተኾነ ዕለት 04/06/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:30 ናይ ቅድሚ ቐትሪ ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት 04/06/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 5:00 ናይ ቅድሚ ቐትሪ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ክኽፈት እዮ።

8. መኸበሪ ጨረታ መጠን ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፀ ኾይኑ ካብ ዝተፈለጠ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ባንኪ ንልዕሊ 90 መዓልቲ ዝፀንሕ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ውሕስና ወይ ሲፒኦ ከትሕዙ ይግባእ።

8.1. ንዓዲሓቂ ፕሮጀክት ሳይት ብር 500,000.00 

8.2. ንሓውልቲ ፕሮጀክት ሳይት ብር 350,000.00

8.3. ንሓድነት ፕሮጀክት ሳይት ብር 200,000.00

9. ትካልና ካልእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

10. ካልኦት ኣብዚ ምልክታ ጨረታ ግልፂ ዘይኮኑ ሓበሬታ እንትህልዉ ኣብ ጨረታ ሰነድ ብዝርዝር ምርኣይ ይከኣል።

ተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 091-470-6122/091-403-5382 ምርካብ ይከኣል፡፡