ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ላዕላይ ማይጨዉ

  1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ዓመታዊ ግብሪ ዝከፈለ ን 2008 በጀት ዓመት ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰ
  2. ናይ ነጋዳይ መለለዩ ቁፅሪ ቲን ነምበር ዘለዎ
  3. ኣብ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበ
  4. ቫትÂ ዝተመዝገበንÂ ናይ ጥቅምቲ መጋቢት 2008 ዓ ም ሒሳቡ ዘፍለጥሉ ከቅርቡ ዝክእሉ
  5. ልዕል ክብሉ ናይ ዝተጠቀሱ ረቋሕታትመረዳእታ ዋንኡን ሓደ ፎቶ ኮፒኡን ከቅርብ ዝክእል
  6. ንጨረታ መክበሪ ንዘይሰዓረ ሹዑ ንሹዑ ዝምለስን ንናይ ኤለክትሮኒክስ አቁሑት 5000 ቅርሺ ፣ንናዉቲ ፈርኒቸር 5000 ቅርሺ ንናይ ህንፃ መሳርሒ 5000 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይ ተረጋጊፁ ዝቀረበ ቼክ ከትሕዙ ዝክእሉ
  7. እቲ ጨረታ ሰዓራይ ምካኑ ምስተገለፀሉ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ቀሪቡ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል
  8. ተጫረቲ ዝሰዓሮ ንብረት በቲ ዝተወዳደረሉ ዝርዝር ስፐስፊኬሽን መሰረት ካብ ዉዕሊ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ ናብ ወረዳ ላዕላይ ማይጨዉ ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን Â ክፍሊ ኣታዊ ክገብር ዝክእል
  9. ሰነድ ጨረታ ዝርከበሉ ቦታ ኣብ ወረዳ ላዕላይ ማይጨዉ ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 17 ማእከላይ ዞባ ምምሕዳር ህንፃ ኣብ ምድረሪ ቤተ ይከዉን
  10. ንሕድሕድ ሎት 50 ቅርሺ ኮይኑ ኣብ ስራሕ ሰዓት መፂእኩም ምዉሳድ ትክእሉ ምካንኩም ንገልፅ
  11. ተጫረቲ ንሓደ ተቅርብዎ ዋጋ መሊእኩም ብሽምኩም ብዝተዓሸገ ፖስታ ካብ ዕለት 1 ግንቦት 2008 ዓ ም Â ክሳብ ዕለት 19 ግንቦት 2008 ዓ ም ሰዓት 3 ፡30 ናይ ንጉሆ ኣብ ናይ መንግስቲ ስራሕ ሰዓትኣብ ከይዲ ስራሕ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ምእታዉ ትክእሉ
  12. ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕፀወሉ 19 ግንቦት 2008 ዓ ም ሰዓት 3 ፡30 ናይ ንጉሆ ይከዉን
  13. ጨረታ ሳንዱቅ ዝክፈተሉ 19 ግንቦት 2008 ዓ ም ሰዓት 4፡ 00 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረት ይከዉን ።ኩሉ መዐቀኒ አማሊኡ ብዘይለዉሉ ንክክፈተሎም ዘመልከቱÂ ምትእንጋድ ከምዝከኣል ንገልፅ
  14. ቤት ፅሕፈትና መማራፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉአ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
  15. 20 ሚኢታዊ ምቅናስ ወይዉን ምዉሳክ ከምዝከኣል ክፈልጥ ይግባእ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0347753263 ብምድዋል ምሕታት ይካአል