ቤት መዘጋጀ ከተማ ዓድዋ

1 ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ምዝገባ ንግዲ ወረቀት ምስክር ናይ ስራሕ ፍቃድ ንግዲ ተኮናተራይነት ምዝጋባ ካረዲ መቅረባይነት ሰርተፊኬት ናይ ግበሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ ማላት ቲን ናምበር ናይ ንግዲ ሽም ምስክር ወረቀት ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝጋበ ምስክር ወረቀት ከምእዉን ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ድክለረሽን ዘቅርብ

2 መከበሪ ጨረታ 400000/ ኣርባዕተ ሚኢቲ ሽሕ / ብናይ ኢትዩፕያ ባንኪ ዝተፈቀደሎም ባንክታት ወይ ፋይናንሳዊ ትካላት ዝዉሃብ ኣብ ኩነታት ዘተመሰረተ ዉሕስን ባንከታት ወይ ፋይናንሳዊ ትካላት ብዘረጋግፅኦ ቼክ ወይድማ ስፒኦ ከቅርቡ አለዎም

3 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ህንፃ ፕሮጀክት ስራሕቲ ሳይት ካብ ዝተረክብል ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 120 መዓልቲታት ሙሉ ብሙሉ ዛዚሞም ከረክቡ አለዎም

4 ተጫረቲ ብቤት መዘጋጃ ከተማ ዓድዋ ከይዲ ስራሕ ዲዛይንን ህንፀትን ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 2000 ብምክፋል ብምክፋል ካብ ዕለት 12/5/2017 ዓም ካብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓድዋ ምዉሳድ ይክእሉ

5 ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ሐደ ዋና ሐደ ቅዳሕን ቴክኒካል ሰነድ ጨረታ ሐደ ወናን ክልተ ቅዳሕን ፋይናንሻል ሰነድ ጨረታ መከበሪ ጨረታ ስፒኦ ብቅዓት መረጋገፂ ስራሕ ተኮናታሪ ፍቃድ ምስክር ወረቀት ናይ መቅረባይነት ምዝጋባ ሰርተፊኬት ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝጋበ ምስክር ወረቀት ናይ ዝሐለፈ ሰለሰተ ወርሒ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዲክለሪሽን ቲን ናምበር ምዘጋበ ነንበይኑ ብምሽዓግ መሊስካ ኣብ ዓብይ ፖስታ ተዓሺጉ ኣብ ዝባኑ ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ኣብ ዝባኑ ተፃሒፍሉ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳነዱቅ ጨረታ ክሳብ ዕለት 13/6/2017 ዓም ሰዓት 300 ቅድሚ ቀትሪ ብኣካል ብምምፃእ ወይድማ ብወኪሎም ከእትዉ አለዎም

6 ተጫረቲ ኣብ ሰነድ ጨረታ ዝቀርቡ ቅጥዒታት ብትክክል መሊኦም ኣብ ነብስወከፍ እቲ ሰነድ ጨረታ ፊርማን ማህተምን ሓቲሞምን ቅደም ሰዓብ ሓልዩም እቲ ሰነድ ጨረታ ከምቲ ክሽየጥ ዘሎ ዝነበሮ ከየኣጎደሉ ከቅርቡ አለዎም

7 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ካብ ዕለት 13/6/2017 ዓም ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 3:30 ኣብ ቢሮ ቤት መዛጋጃ ከተማ ዓድዋ ኣዳራሽ እቲ ጨረታ ይክፈት

8 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

9 ፍታሓዊነት ኣብ ተመሳሳሊ ስራሕ ዝተዋፈሩ መዓረ ክፍሊ ከከፍል ዝክእል

ንተወሳኪ ሐበሬታ  0914787894