1 ብናይ ማይ ህንፀት ስራሕቲ ብደረጃ 8 ልዕሊኡን ዝተሐደሰ ናይ 2017 ዓም ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ብቅዓት መረጋገፂ ቲን ናምበር በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ ናይ 2017 ዓም ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ተወሳኪ እሴት ታክስ ሰርተፊኬት ናይ ወርሒ ሕዳር 2017 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ዲክልሪሽን ዝገበርክምሉ መረዳትእ ከቅርብ ዝክእል
2 ተወዳደርቲ ኣብ ዝሐለፈ 7ዓመታት ካብ ሐደ ፕሮጀክት 2ሚሊዩን ልዕሊኡን ቅርሽ ወይድማ ካብ ክልተ ፕሮጀክታት ኣብ ነብሰወከፍ ፕሮጀክት ሐደ ሚሊዩንን ልዕሊኡን ቅርሺ ኣብ ማይ ተንከፈ ስራሕቲ ዝሰርሐ ምካኑ ግዝያዊ ወይድማ ናይ መጨረሻ ርክብ ከምእዉን ነቲ ስራሕ ዝሰርሐ ምካኑ ዝገልፅ ድጋፍ ወረቀት ወይ ክፍሊት ሰነድ ከቅርብ ዝክእል
2 ተወዳዳራይ ነቲ ፕሮጀከት ጀሚሩ ከቅፅል ምካኑ ንምርግጋፅ ጨረታ ቅድሚ ምዉፅኡ ሐደ ወርሒ እንተነኣሰ ሐደ ሚሊዩን ቅርሺ ኣብ ባንኪ ሒሳብ ምህላዉ ዘረጋግፅ ናይ ባንኪ መረዳእታ ወይ ናይ ልቃሕ መረጋገፂ አተሓሒዙከቅርብ አለዎ
3 ተወዳደርቲ መከበሪ ፕሮፎርማ 50000 ቅርሺ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ስፒኦ ወይድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ባንኪ ዉሕስና ከቅርብ አለዎ
4 ሰዓራይ ዝከዉን ተወዳዳራይ እቶም ዝተሐተቱ ረቆሒታት ኣማሊኡ ዝተሐተ ዋጋ ዝመለአ ይከዉን
5 ሰዓራይ ተኮናተራይ ምስዓሩ ምስተረጋገፀ ካብ ዝተረከበሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕል ብምእሳር ዲዛይንን ዝርዝር መረዳእታ መሰረት ብማሽን ኢስካቫተር 330 HP ባዕል 6 ሚትሮ ስፍሓት ኣእቲኡ ክኮት ከዉሕ ኣብ ዘጋጥመሉ ግዝ ዝኮት ማሽን ኢስካቫተር 330 HP ምስ ጃክ ሃመርን ካልኦትን ኣድለይቲ ዝባሀሉ መሰራሒታት ኣብ ዉሽጢ 90 መዓልቲ ሰሪሑ ከረክብ አለዎ
6 ሰዓራይ ተወዳደሪ መከበሪ ጨረታ 10 ሚእታዊ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ስፒኦ ወይድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ባንኪ ዉሕስና ከትሕዝ ከምዝክእል ከፍልጥ አለዎ
7 ሰዓራይ ዝከዉን ብናይ ሎትድምር ኮይኑ ዝሰዓርሎ ናይ ሐደ ሎት ድምር ብ15 ሓባር ዒላ ጠቅላላ ተራቢሑ ዉዕሊ ይኣስር
8 ተወዳደርቲ ናይ ዝወዳደርሉ ፕሮጀከት ዋጋ ዝሐዘ ሰነድ ቅድም ኢሎም ዝተጠቀሱን ኩሎም መረደእታት ወናን ቅዳሕን ኣብ ዝተፈላለየ ፖስታት ምስዓሸጉ ወናን ቅዳሕን ተባሂሉ ኣብ ናእሽተይ ነብስወከፍ ፖስታት በማርክር ብዝረአ ቀለም ብምፅሓፍ ኣብ ልዕል እቲ ፖስታ ክዓርፎ ብምግባር ዳግም ኮሎም አናእሸተይ ፖስታት ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ መሊኦም ብምዕሻግ ማህተም ክዓርፎ ብምግባር ናይቲ ዝወዳደርሉ ፕሮጀክት ሽም ናይ ኮንትራክተር ሽምን ኣድራሻን ኣብ ዕል እቲ ፖስታ ብዝር አ ማረከር ብምፅሓፍን ነቲ ዉድድር ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክኣትዉ አለዎ
9 ኣብ ነብሰወከፍ ሰነድ ጨረታ ፈሪሞምን ሓቲሞምን ቅደም ሰዓብ እንተይኣዛብዕ ክምቲ ክሽየጥ ዘሎ ከየኣጎደሉ ከቅርቡ አለዎም
10 ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ወረዳ ላዕላይ ማይጨዉ ቢሮ ቁፅሪ 7 ዘይምለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ካብ 14/5/2017 ዓም ክብ ዕለት 20/5/2017 ዓም ሰዓት 1130 ምዉሳድ ይክእሉ
11ሰነድ ፕሮፎርማ ዕለት 21/5/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ይክፈት ተጫረቲ ብዘይምርካም ከይዲ ጨረታ ኣይተኣጎጎልን
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0913875262