ን2ይ ጊዜ ዝወፀ ናይ ኮንስትራክሽን ግልፂ ጨረታ
ኣብ መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ኦርቶደኩስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ትግራይ ሃገረ ስብከት መቐለ ናይ ደብረ ፅጌ ቅድስት ማርያምን ቅድስ ሚካኤልን ህንፃ መስረሒ ኮሚቴ ናይ ዓድሹምድሑን ቅድስት ማርያም ሓዱሽ ህንፃ ቤተክርስትያን ኣጫሪቱን ኣወዳዲሩን ብግልፂ ጨረታ ካስራሕ ስልዝድለየ በዚ መሰረት፦ BC/ Gር – 5ን ካብኡ ንላዕልን ዝኮንኩም ኮንተራክተራት መፂእኹም ንክትጫረቱ ይዕድም ።
✓ ተጫረቲ ኣብቲ ጨረታ ንምስታፍ እዞም ስዒቦም ዝተገለፁ ረቛሒታት ከማልኡ ኣለዎም፡፡
1) ናይ ጨረታ ውሕስና ብኢትዮጵያ ብሄራዊ ባንክ ካብ ዝተፈቐደሎምን ዝተፈለጡን ባንክታት ዝዉሃብ ሌተር ኦፍ ክሬዲት ናይ ገንዘብ ክፍሊት መእዘዚ (CPO)ን ወይ ድማ ብጥረ ንዘብ 2% ካብ ጠቅላላ ዋጋ ከቕርቡ ኣለዎም ።
2) ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ስራሕቲ ሳይት ካብ ዝትረከቡሉ ዕለት ጀሚሩ ናየ ቀዳማ ፌዝ ኣብ ውሽጢ 270 / ክልተ ሚኢቲን ሰብዓን / መዓልቲ ውሽጢ ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ ኣለዎም ።
3) ኩሎም ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 12/05/ 2017ዓ.ም. ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 27/05/2017 ዓ.ም. ስዓት 4 ቅድሚ ስዓት ጀሚሩ ካብ ደብረ ፅጌ ቅድስት ማርያምን ቅድስ ሚካኤልን ዓድሹምድሁን ̧ ቅድስ ሚካኤል ቤተክርስትያን ፣ ቢሮ ቑፅሪ 2 ዘይምለስ ብር 1500.00( ሓደ ሽሕን ሓሙሽተ ሚኢትን ብር) ብምኽፋል ክገዝኡ ይኽእሉ እዮም ብተወሳኺ ጨረታ ክገዝኡ እንትመፅኡ ድማ ኮፒ ዘይምለስን ኦርጅናል መገናዘቢን ናይ 2017 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ፣መቕረባይነት ስርቲፊኬት ፣ ቫት ምዝገባ ምስክር ምስክር ወረቐት ፣ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ቫት ሪፖርትን ብቕዓት መረጋገፂ ፍቓድን መረዳእታ ወረቐት ሒዞም ክቀርቡ ኣለዎም ።
4) ተጫረቲ ናብቲ ጨረታ ከቕርብዎ ዝግባእ ሰነድ ጨረታ፦ ሓደ ኦርጅናል ጠቅላላ ሰነድ ጨረታን ማለት ዝርዝር ስራሕ (BOQ) ምስ መጠቃለሊ ድምር ዋጋን መምረሒ ሰነድ ጨረታን ዘጠቃለለን ምስ ክልተ ኮፒን ዝርዝር ስራሕ (BOQ) መጠቃለሊ ድምር ዋጋን (ብተወሳኺናይ 2017 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ፤መቕረባይነት ስርቲፊኬት ፣ ቫት ምዝገባ ምስክር ወረቐት ፣ ቲን ምዝገባ ምስክር ወረቐት ፣፣ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ቫት ሪፖርትን ብቕዓት መረጋገፂ ፍቓድ m ' ' – ምስክር ወረጃ መረዳእታን ኮፒታት 'ውሕሰና ጨረታ(ቢድ ቦንድ)' ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ብምዕሻግ እቶም ኦርጅናል ኦርጅናል ዝብል ፅሑፍ አቶም ኮፒ ኮፒ ዝብል ፅሑፍ ብምፅሓፍን ብምዕሻግ ኣብቲ ልዕሊ ፖሰታ ሽም ተጫረቲን ፕሮጀክትን ኣድራሻን ብዝረአ ቐለም ብምፅሓፍን መሊሶም ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግን ኣብቲ ልዕሊ ፖሰታ ሽም ዝጫረትሉ ፕሮጀክትን ኣድራሻን ብዝረአ ቐለም ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ቢሮ ቑፅሪ 2 ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ክሳብ ዕለት 27/05/2017 ዓ.ም. ሰዓት 4:00 ቅድሚ ስዓት ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ ይኽእሉ እዮም።
5) ተጫረቲ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝቐረቡ ቅጥዕታት ብትኽክል መሊኦም፤ኣብ ሕድ ሕድ ገፅ እቲ ዶኩመንት ፈሪሞምን ሓቲሞምን ፤ ቅደም ሰዓብ እቲ ዶኩመንት እንተይዛቡዑ እቲ ዶኩመንት ከምቲ ክሽየጥ እንተሎ ዝነበረ ከየጓደሉ ኸቅርቡ ኣለዎም።
6) እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ 27/05/2017 ዓ.ም. ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቐትሪ ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት 27/05/2017 ዓ.ም. ስዓት 4:30 ናይ ቅድሚ ቐትሪ ኣብ ቢሮ ቑፅሪ 2 ክኽፈት እዮ።
7) እቲ ጨረታ በቲ ኣብ ክፍሊ 3ሜላታት መገምገሚ ረቛሕታት ጨረታ መሰረት ናይ መሓንዲስ ግምትን ናይ ተጫረቲ ዋጋን ብምጥቃም ዝግምገም ይኸውን ።
8) እቲ ኮሚቴ ካሊእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ድማ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
9) ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብቲ ጨረታ ከይዲ ንዝደሊ ተጣራታይ ናብ ደብረ ፅጌ ቅድስት ማርያምን ቁዱስ ሚካኤልን ዓድሹምድሁን ህንፃ መስረሒ ኮሚቴ ፣ቢሮ ቑፅሪ 2 ብኣካል ብምቕራብ ወይ ድማ ብቑፅሪ ስልኪ 0935280420 0420/ 0914700832/ 0914126911/ 0914305608/0976770452 ምርካብ ይከኣል እዩ።