ግልፂ ጨረታ ምልክታ
መፍለዪ ጨረታ ቁፅሪ NCB/TIG/SDG/Works/10/2017
አብ ጊዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ካብ SDG ብዝረኸቦ በጀት ኣብ ዝተፋላላያ ወረዳታት ዝውዕል ሳብመረሰብል ፓምፕታት ምስ ምሉእ ኣክሰሰሪኡን ቀረብን ተከላን ስራሕቲ ብክልል ብርኪ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደለየ ደረጃ 3ን ልዕሉኡ ዝኮንኩም ሕጋዊ ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡
ተ/ቁ | ዓይነት ንብረት | ፍሉይ ቦታ ሳይት | በዝሒ |
---|---|---|---|
1 | ቀረብን ተኸላን ፓምፕ | ወረዳ ራያ ዓዘቦ ማሕበር ዋርሳሜት | ኣብ BOO ብዘሎ ዝርዝር መሰረት |
2 | ቀረብን ተኸላን ፓምፕ | ወረዳ ራያ ዓዘቦ መቻረ | |
3 | ትራንስፎርመር | ወረዳ ራያ ዓዘቦ መቻረ | |
4 | ቀረብን ተኸላን ፓምፕ | ወረዳ ራያ ዓዘቦ ዋቅፊ | |
5 | ቀረብን ተኸላን ፓምፕ | ወረዳ ራያ ማሕበረ ዴጋጋ | |
6 | ቀረብን ተኸላን ፓምፕ | ወረዳ ራያ ጨርጨር ሱሉላ ፋርመርስ | |
7 | ቀረብን ተኸላን ፓምፕ | ወረዳ ራያ ጨርጨር RPW-47 | |
8 | ቀረብን ተኸላን ፓምፕ | ወረዳ ራያ ኣላማጣ RPW-74 | |
9 | ቀረብን ተኸላን ፓምፕ | ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ገንፈል ደንጎለሎ | |
10 | ቀረብን ተኸላን ፓምፕ | ወረዳ እንደርታ ማይ ዓለም |
ስለዚ እዚ ዝስዕብ ሮቋሒታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም
1. ናይ 2017 ዓ/ም በቲ ዘርፊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ ፣ ናይ 2017 ዝተሓደሰ ናይ ማይ ስራሕቲ ፍቓድ ቲን/TIn/ ሰርቲፊክት ዘለዎ ቫት ምዝጉባት ዝኾኑ ቫት ዲክሌሬሽን ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2017 ዓ/ም ዘቕርቡ፣
2. ዝተዳለወ ስፔስፊኬሽን እዚ ዝተቓለሐሉ ዕለት ጀሚሩ ካብ ናይ ዕድመ ደብዳቤ ብድምፂ ወያነ ብሄራዊ ራድዮ ካብ ቢሮና መዝገብ ቤት ካብ ዕለት 10/05/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ዘይምለስ ብር 1000 ብምፋል ጨረታ ሰነድ ምውሳድ ይካአል ::
3. ናይ ጨረታ መኽበሪ ብር 500.000.00 (ሓሙሽተ ሚኢቲ ሽሕ ብር )ብመልክዕ ሲፒኦ ወይ ድማ ኣብኩነታት ዘይተመስረተ ባንኪ ጋራንቲ ምስቲ ቴክኒካል ሰነድ ጨረታ ኣታሓሒዙ ከቕርብ ይኽእል::
4. እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 09/6/2017 ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ናይ ንጉሆ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 3፡15 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት አብ ዘለዉዎ ይኸፈት።
5. ተጫረቲ ሐደ ኦርጂናል ቴክኒካልን ሓደ ኦሪጂናል ፋይናንሻል ሰነድ ነንበይኑ ብፖስታ ዝተኣሸገ ከምኡውን 01 ኮፒ ቴክኒካል 2 ኮፒ ፋይናንሻል ነንበይኑ ብፖስታ ዝተአሸገ ሰነድ ብምቕራብ ኣብ ዝባን እቲ ፖስታ ኦሪጂናልን ኮፒ ተባሂሉ ብግልፂ ከቕርብ ኣለዎ ፣
6. ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፣
7. አድራሻና ቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ትግራይ መቐለ
8. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስኪ ቑፅሪ 0952270027 0920326084 ምድዋል ይከአል
ናይ ጨረታ መኽፈቲን መዕፀዊን ዕለት አብ በዓል እንተዊዒለ ኣብ ዝቕፅል ዘሎ ናይ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝኸፈት ይኸዉን።