ምልክታ ግልፂ ጨረታ ስራሕቲ ህንፃ ኮንስትራክሽን
ኣክስዮን ኮንስትራክሽን ንግድን ኢንዳስትሪን ሆርን ኣፍሪካ ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ (2B+G+15) ፣ ሓወልቲ (2B+G+15) ፣ ሓድነት (B+G+8) ዝርከቡ ፕላን ዝፀደቐሎም ናይ ሪል እስቴት ቦታታት ስራሕቲ ህንፀት ኣብ ሰለስቲኦም ቦታታት ንምስራሕ ስለዝደለና በቲ ዘፈር ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለዎም ተወዳደርቲ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይዕድም። ተጫረትቲ ከማልእዎም ዝግብኡ ረቋሒታት
1. ተደላይ ብርኪ ኮንትራክተር
1.1. ንዓዲ ሓቂ ፕሮጀክት ሳይት ብሓፈሻዊ ኮንትራክተር (General contractor) ደረጃ 22 ልዕሊኡን ወይ ብህንፃ ኮንትራክተር (Building contractor) ደረጃ 1 ስራሕ ፍቓድ ዘለዎ።
1.2. ንሓወልቲ ፕሮጀክት ሳይት ብሓፈሻዊ ኮንትራክተር (General contractor) ደረጃ 33 ልዕሊኡን ወይ ብህንፃ ኮንትራክተር (Building contractor) ደረጃ 2 ልዕሊኡን ስራሕ ፍቓድ ዘለዎ።
1.3. ንሓድነት ፕሮጀክት ሳይት ብሓፈሻዊ ኮንትራክተር (General contractor) ደረጃ 53 ልዕሊኡን ወይ ብህንፃ ኮንትራክተር (Building contractor) ደረጃ 4 ልዕሊኡን ስራሕ ፍቓድ ዘለዎ።
2. ሓደ ተጫራታይ ክወዳደር ዝኽእል ንሓደ ፕሮጀክት ሳይት ወይ ሎት ጥራሕ ይኸውን፤
3. ናይ 2017 ዓ.ም ፍቓድ ስራሕ ዘሓደሰ፡ ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቓድ ንግዲ ስራሕ ዘለዎ፡ ናይ ተወሳኺ እሴት ታክስ ሰርተፊኬት፣ ቲን ቁፅርን ካልኦት ኣገደስቲ ዝበሃሉ ሕጋዊ መረዳእታታትን ፎቶ ኮፒ ኣተሓሒዙ ዘቅርብ፤
4. በቲ ናይ ተወሳኺ እሴት ታክስ ኣዋጅን መምርሕን ብመሰረት ዝእዝዞ ናይ ወርሒ ሕዳር 2017 ዓ.ም ፀብፃብ (ቫት ዲክላሬሽን) ዘፍለጠ ምዃኑ መረዳእታ ዘቕርብ፣
5. ድሌት ዘለኩም ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈትና ኣብ ከተማ መቐለ ጥቃ ኣክሱም ሆቴል ዝርከብ ሰላም ሲቲ ሴንተር (ህንፃ) 5ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 505 ዘይምለስ ብር 2,500.00 (ክልተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚኢትን) ብምክፋል ክገዝኡ ይኽእሉ፤
6. እቲ ጨረታ ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሐሉ ግዘ ክሳብ 26/05/2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡30 ረፋድ ኾይኑ ቀዳም ቅድሚ ሰዓት ሓዊሱ ኣብዘለው ኩሎም ናይ ስራሕ መዓልትን ሰዓትን ምዃኑ ፈሊጦም ሰነድ ጨረታ ምዕዳግ ይኽእሉ።
7. ተጫረቲ ሰነድ ጨረትኦም ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ነኒበይኑ ዶክመንት ሓደ ዋና፣ ክልተ ፎቶ ኮፒ ጨረታ ሰነዳት፣ ናይ ስራሕ ኮንትራክተር ዝተውሃበ ምዝገባ ካርድ፣ ንግዲ ስራሕ ፍቓድ፣ ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቐት፣ መቕረባይነት ምዝገባ ስርቲፊኬት፣ ናይ ቫት ምዝገባ ምስክር ወረቐት፣ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ናይ ቫት ዲክላሬሽን፡ ናይ ቲን ምዝገባ መረዳእታ፡ ውሕስና ጨረታ /ቢድ ቦንድ/ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ብምዕሻግ መሊሶም ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብቲ ልዕሊ ፖሰታ ሽም ዝጫረትሉ ፕሮጀክትን ኣድራሻን ብዝረአ ቐለም ብምፅሓፍን ቤት ፅሕፈትና ክሳብ ዕለት 26/05/2017 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ናይ ቅድሚ ቐትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉይኽእሉ፤
8. እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብዝተረኸብሉ ወይ ወኪል እንተድኣ ዘይተረኸቦ ምእው ንእንተኾነ ዕለት 26/05/2017 ዓ.ም ልክዕ ሰዓት 4:30 ናይ ቅድሚ ቐትሪ ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት 26/05/2017 ዓ.ም ልክዕ ሰዓት 5:00 ናይ ቅድሚ ቐትሪ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ክኽፈት እዮ።
9. መኸበሪ ጨረታ መጠን ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፀ ኾይኑ ካብ ዝተፈለጠ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ባንኪ ንልዕሊ 90 መዓልቲ ዝፀንሕ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ውሕስና ወይ ሲፒኦ ከትሕዙ ይግባእ።
9.1. ንዓዲ ሓቂ ፕሮጀክት ሳይት ብር 500,000.00
9.2. ንሓውልቲ ፕሮጀክት ሳይት ብር 350,000.00
9.3. ንሓድነት ፕሮጀክት ሳይት ብር 200,000,00
10. ትካልና ካልእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡
11. ካልኦት ኣብዚ ምልክታ ጨረታ ግልፂ ዘይኮኑ ሓበሬታ እንትህልዉ ኣብ ጨረታ ሰነድ ብዝርዝር ምርኣይ ይከኣል።
ተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 091-470-6122/091-403-5382 ምሕታት ይከኣል፡፡
+2513 4559 2392/94 ኣድራሻ መቐለ ሰላም ህንፃ 5 ደብሪ ከባቢ ኣክሱም ሆቴል