1 መቀያየሪ ኣቅሑት ብንቦን ሳኒተሪን ሳንተሪ ኣክሰሰሪን ናይህናፃ መሳርሒ ክምዉን ፕላስቲክ ምህርቲ መምርቲ በቲ ዘፈረ ዝተሐደሰ ናይ 2017 ዓም በጀት ዓመተ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩምን መረዳእታ ብቅዳሕ ክተቅርቡ እትክእሉ
2 ናይ ግብሪ ከፋላይነት ቁፅሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር ዘለኩምን ቅዳሕ ክተትሕዙ እትክእሉን
3 በቲ ዘፈር ናይ ዝተሐደሰ ናይ 2017 ዓም በጀት ዓመት መቅረባይነት ካርዲ ዘለኩምን ቅዳሕ ክተትሕዙ እትክእሉን
4 ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን ምዝገባ ምስክር ወረቀት ብቅዳሕ ክተትሕዙ እትክእሉን ከምእዉን ናይ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዘወራረድክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ
5 ኩሎም መረዳእታት ንፁር ብዝኮነ መልክዑ ክተቅርቡ እትክእሉ
6ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ቅዳሕ ብምግባር ዋናን ቅዳሕን ነኒበይኑ ተፈልዩ ኣብ ክልተ ፖስታ ተዓሺጉ ዋናን ቅዳን ኣብ ዝባንእቲ ፖስታ ተፃሒፉ ኣብ ሐደ ዓብይ ፖስታ ተጠሚሩ ብምዕሻግ ኣብ ሕድሕድ ፖስታ ማሕተም ሽምን ብምግባር ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሸራሮ ከእትዉ ዝክእል
7 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ በቢዘርፉ 30000 / ሳለሳ ሽሕ ቅርሺ/ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብስፒኦ ብጣቢያ ሓየሎም ማሕበረሰብ ዕዳጋ ካሚቴ ከትሕዝ ዝክእል ትሕጃኩም ብስፒኦ ተዝኮን ይምረፅ
8 ክፍሊት ዝፍፀም ብብር ኮይኑ እቲ ዝድለ መጠን ንብረት ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ዉሽጢ 20 ተከታታሊ መዓለቲታት ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ወፃእን መራገፍን መፅዓንን ሓዊሱ ናብ ቤት ፅሕፈት ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሸራሮ ናብ ንብረት ክፍሊ ድሕሪ ምእታዉ ኩሎም ናይ ክፍሊ ሰነዳት እንተማልኡ ዝፍፀም ይከዉን
9ተጫረቲ ኣብ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ጥራሕ ዝወዳደሩ ኮይኖም መልእዎ ዋጋ ንፁርነት ክህክልዎ ይግባእ ስርዝ ድልዝ እነተጋጥም ብንፁር ተስተካኪሉ ሽምን ፊርማን ኣብ ጉኑ ክግበረሉ ይግባእ
10 ተጫረቲ ዋጋ እንተምልኡ ናይ ሐደ ጠቅላላ ዋጋን አፈላላይ ክህልዉ የብሉን አፋላላይ እንትህሉ ናይ ሐደ ዋጋ ጥራሕ ተቀባልነት ይህልዎ
11 ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ካብ 2/5/2016 ዓም ክሳብ 16/5/2017 ዓም ክሳብ 12:00 ሰዓት ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሸራሮ እናመፃእኩም ዘይመለስ 200 ቅርሺ እናከፈልኩም ምዉሳድ ትክእሉ
12 እቲ ጨረታ 17/5/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት 17/5/2017 ዓም ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ተወዳደርቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረክብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሸራሮ ማለት እዉን ኣብ
13ጣቢያ ሐዩሎም ማሕበረሰብ ኮሚቴ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914259231 / 0912995394
ምምሕዳር ጣብያ ሓየሎም ከተማ ሸራሮ