ቢሮ ትልምን ፋይናንስን

ምድብ - 1 /LOT -1 : - ሃለቕትን ቐወምትን ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቀሑት

ምድብ - 2 /LOT -2 : - ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቕሑት

ምድብ - 3 /LOT -3 : - ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቑሑት

ምድብ - 4 /LOT -4 : - Â ዝትፈላለዩ ሕትመታት

ምድብ - 4 /LOT -4 : - Â ናይ ቢሮ ቀወምቲ አቁሑት(ፈርኒቸር) ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ስለዚ

1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኦርጅናልን ሓደ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል::

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ TIN ሰርተፊኬት ኦርጅናልን ሓደ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል::

3 ንተወሳኪ እሴት ታክሲ ዝተመዝገበ VAT ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ናይ መጋቢት 2008 ዓ/ም VAT ድክላሬሽን ኦርጅናልን ሓደ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል:;

4 በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምኻኑ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ምስኽር ወረቐት ኦርጅናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል::

5 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳደደሪ ዝሰዓሮ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ እቲ ዝተሐተተ ፈርኒቸር ኣቑሑት ኣብ ዉሽጢ 15 ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቢሮና ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሓተተ ፅሬትን መጠንን ከቅርብ ዝኽእል::

6 ናይ መወዳደሪ ደኩሜንተ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ክኸዉን ይግባእ::

7 ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምረሒ ጨረታን ሰነድነ ጨረታን ምድብ- 1ን ምድብ- 2ን ምድብ- 3ን Â ምድብ 4ን ምድብ 5ን ንዘለዉ ዝርዝር ንብረታት ንሕድሕድ ሰነድ ዘይምለስ ብር 100. 00 /ሓደ ሚኢቲ ብር ጥራሕ እናኸፈለ ካብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ 19 ካብ 04 /09 /2008 ዓ/ም ክሳብ 18/ 09/2008 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዚያት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ገዚኡ ክወዳደር ይክእል::

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ /LOT -1, /LOT -2, /LOT -3 / /LOT -4 / /LOT -5 / Â 5000 ቅርሺ ብሽም ቢሮ ትልምን ፋይናንስን / Bureau of plan & finance / ብ CPO ወይ ብስርቲፋይድ ቼክ ዉይ ድማ ብጥረ ገንዝብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ድማ ጨረታ ቅደሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝኽእል::

9 እቲ ጨረታ ዕለት 18 /09/2008 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:30 ንጎሆ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ንጎሆ ኣብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ንብረት ምም/ርንቢሮ ቑፅሪ 19 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣበ ዘለዉሉ ይኽፈት::

10 ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

11 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ቢሮና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20 % ክቅንስ ክዉስክ ይክእል እዩ::

12 ሰዓራይ እቲ ዘቕርቦ ንብረት ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸዉን::

13 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 034441052 / 0344406200 0109227265

ደዊልካ ምሕታት ዝከኣል ምኻኑ ንሕብር::