ግልፂ ጨረታ ምልክታ
መፍለዪ ጨረታ ቁፅሪ NCB/TIG/GCF/Work/07/2017
አብ ጊዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ካብ /GCF/ብዝረኸቦ በጀት ኣብ ወረዳ ፃዕዳ እምባ ፍሉይ ቦታ ተካ ተስፋይ ከተማን ከባቢኣን ንዝርከብ ሕ/ሰብ ጥቕሚ ዝውዕል ዓሚቑ ጉድጓድ ሲስተም ዘድሊ ሶላር ፓምፕ ኤሌክትሮሜካኒካል ዕደጋ ብክልል ብርኪ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደለየ ሕጋዊ ነጋዶ ዝኾንኩም ክትወዳደሩ ይዕድም::
ተ/ቁ | ዓይነት ንብረት | መዐቀኒ | በዝሒ | ፍሉይ ቦታ ሳይት |
---|---|---|---|---|
1 | Supply and installation of solar pumping components/ቀረብን ተኸላን ሶላር ፓምፕ | ሴት | ኣብ BOO ብዘሎ ዝርዝር መሰረት | ወረዳ ፃዕዳ እምባ ፍለ ቦታ ተካ ተስፋይ |
ስለዚ እዚ ዝስዕብ ሮቋሒታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም
1. ናይ 2017 ዓ/ም በቲ ዘርፊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ ፣ ናይ 2016/17 ዝተሓደሰ ናይ ማይ ናይ ሞያ ስራሕቲ ፍቓድ ቲን/ ሰርቲፊክት ዘለዎ ቫት ምዝጉባት ዝኾኑ ቫት ዲክሌሬሽን ናይ ወርሒ መስከረም 2017 ዓ/ም ዘቕርቡ፡
2. ዝተዳለወ ስፔስፊኬሽን እዚ ናይ ዕድመ ደብዳቤ ብድምፂ ወያነ ብሄራዊ ራድዮ ካብ ዝተቓለሐሉ ዕለት ጀሚሩ ካብ ቢሮና መዝገብ ቤት ካብ ዕለት 9/04/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ዘይምለስ ብር 500 ብምፋል ጨረታ ሰነድ ምውሳድ ይካአል ::
3. ናይ ጨረታ መኽበሪ ብር 50.000.00 (ሓምሳ ሽሕ ብር ( )ብመልክዕ ሲፒኦ ወይ ድማ ኣብኩነታት ዘይተመስረተ ባንኪ ጋራንቲ ምስቲ ቴክኒካል ሰነድ ጨረታ ኣታሓሒዙ ከቕርብ ይኽእል::
4. እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 23/04/2017 ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ናይ ንጉሆ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 3፡15 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት አብ ዘለዉዎ ይኸፈት።
5. ተጫረቲ ሐደ ኦርጂናል ቴክኒካልን ሓደ ኦሪጂናል ፋይናንሻል ሰነድ ነንበይኑ ብፖስታ ዝተአሸገ ከምኡውን 01 ኮፒ ቴክኒካል 2 ኮፒ ፋይናንሻል ነንበይኑ ብፖስታ ዝተአሸገ ሰነድ ብምቕራብ ኣብ ዝባን እቲ ፖስታ ኦሪጂናልን ኮፒ ተባሂሉ ብግልፂ ከቕርብ ኣለዎ ፣
6. ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፣
7. አድራሻና ቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ትግራይ መቐለ
8. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስኪ ቑፅሪ 0914723753/0920326084 ምድዋል - ይከአል
9. ናይ ጨረታ መኽፈቲን መዕፀዊን ዕለት አብ በዓል እንተዊዒሉ አብ ዝቕፅል ዘሎ ናይ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝኽፈት ይኸዉን።