ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ናይ 2017 ዓ/ም በጀት ዓመት ብወረዳ ሕንጣሎ ቤት ፍርዲ ንሕንጣሎ ፣ ከተማ ዓ/ጉዶምን ወጀራትን ኣብያተ ፍርዲ ግልጋሎት ዝውዕል ነዞም ስዒቦም ዝተዘርዘሩ ናይ ፅሕፈት መሳርሕታት፣ ናይ ፅርየት ኣቁሑት፣ ናይ ኤሌክትሮኒስ ኣቁሑትን ፈርኒቸር ኣቁሑትን ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ክገዝእ ይደሊ ስለዝይ በቲ መስመር ሕጋዊ ንግድ ፍቓድ ዘለኩም ትካላት ክትወዳደሩ ይዕድም:-
ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግበኦም ረቋሕታት
1. በቢ ዘፈር ንግዱ ዝምልከት ኮይኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድን ግብሪ ዝኸፈለ፣ መፍለዪ ቁፅሪን/tin No ናይመቅረባይነት ምስክር ወረቀትን ኣብ እዋን ጨረታ ዝኸፈተለ ኦርጅናልን ሓደ ኮፒን ዘቅርብ።
2. ተጫረቲ ናይ ፅሕፈት መሳርሕታት፣ ናይ ፅርየት ኣቁሑት፣ ናይ ኤሌክትሮኒስ ኣቁሑትን ናይ ፈርኒቸር ኣቁሑት በቢዘርፉ ሰነድ መግዝኢ ጨረታ ዘይምለስ ብር 50.00 /ሓምሳ ብር/ ኸፊሎም ካብ ዕለት 01/04/2017 ዓ/ም ክሳብ 22/04/2017 ዓ/ም ካብ ወረዳ ሕንጣሎ ቤት ፍርዲ ዓዲ-ጉዶም ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳረን ብምውሳድ ዋጋ መሊኦም ብሽማዓ ዝተኣሸገ ፖስታ ናብ ጨረታ ሳንዱቅ ከእትው ዝክእል።
3. ጨረታ መክበሪ ብስፒኦ ወይም ብጥረ ገንዘብ ጥራሕ ኮይኑ 3000/ ሰለስተ ሽሕ ብር / ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ምስ ጨረታ ሰነድ ሓቢሩ ናብ ሳነዱቅ ዘእትው
4. እቲ ጨረታ ኮነ ኢሉ ዘዛበዐ ወይም ከጭበርብር ዝሞከረ ካብቲ ጨረታ ክወፅእ ተገይሩ ዘትሐዞ ጨረታ መክበሪ ተወሪሱ ብቲ ናይ ክልል ትግራይ ዕድጊት መምርሒ ዝድንግጎ ብሕጊ ተሓታቲ ይኸውን።
5 ድሕሪ ጨረታ ምክፋቱ ዝኮነ ይኩን መመሓየሺ ኣብ ጨረታ ሰነድ ምግባር ብፍፁም ኣይፍቐድን
6. ዝሰዓረ ኣካል ዝፍለየሉ ንዝተሓተቱ ሕድሕድ ንብረት NIEM BY IIEM ዝተሓተ ዋጋ ዘቅርብ ሰዓራይ ይከውን::
7. ተጫራታይ ዝሰዓሮ ንብረት እቲ ጨረታ ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝተፈለጠሉ ክፈልጦ ካብ ዝግባእ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ 3ተ መዓልቲ ኣብ 5ተ መዓልቲ ውሽጢ ናብ ወረዳ ሕንጣሎ ቤት ፍርዲ ዓዲ-ጉዶም መፂኡ ውዕሊ ይኣስር።
8. ኣብ ጨረታ ከይዲ ቅሬታ እንተሃልዩዎ ጨረታ ውሳነ ካብ ዝረኸበሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ 3ተ ተከታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ጥራሕ ናብ ወረዳ ሕንጣሎ ቤት ፍርዲ ዓዲ-ጉዶም ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳረን ቅሬታ ዘለዎ ቅሬትኡ ብፅሑፍ ከቅርብ ኣለዎ
9. ሰዓራይ ኣባል ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ኣብ ውሽጢ 5' መዓልቲ ብናይባዕሉ ትራንስፖርት መፅዓንን መራገፍን ሓዊሱ ናብ ወረዳ ሕንጣሎ ቤት ፍርዲ ዓዲ-ጉዶም ኣታዊ ዝገብር።
10. ሰዓራይ ናይ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10% ውዕሊ መክበሪ ብጥረ ገንዘብ ወይም ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል።
11. ተጫራታይ ካብቲ ናይ ትግራይ ናይ ዕድጊተ መምርሒ ወፃኢ ዝኮነ ናይ ግዜ ገደብ ሂቡ እንተተወዳደሩ ሰዓራይ ኣብ ዝኾነሉ ብቲ ናይ ዕደጋ መምርሒ ዝተኣናገድ ምዃኑ ፈሊጡ ናይ ባዕሉ መምርሒ ከቅምጥ ከም ዘይብሉ እንተቅመጠ እውን ተቐባልነት የብሉን።
12. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ።
13. ቤት ፅሕፈትና 20% ናይቲ ዝተሰዓረ ንብረት ዋጋ መጠን ናይ ምውሳኽን ምቅናስን መሰል ኣለዎ።
14. እዚ ጨረታ 22/04/2017 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ኣብ ወረዳ ሕንጣሎ ቤት ፍርዲ ዓዲ-ጉዶም ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ብበዓል ዋና ሕጋዊ ወኪል/ ኣብ ዝተረከበለ ይክፈት።
➢ ንተወሳኺ ሓበሬታ ቤት ፍርዲ ወረዳ ሕንጣሎ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ምም/ር ንብረትን መብርሂ ምሕታት ይከኣልእዩ።