1 በቢ ዘፍር ንግድኩም ዝምልክተኩም ኮይኑ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ግብሪን ዝከፈለ መፍለይ ቁፅሪ ቲን ናምበር ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ኣብእዋን ጨረታ ዝክፈተሉ ኦርጅናልን ሐደ ኮፒን ከቅርብ ዝክእል
2 ተጫረቲ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ : ናይ ፅሬት ኣቅሑት: ናይ አሌክትሮኒክስ ኣቅሑት : ፈርኒቸር ኣቅሑትን በቢዘርፉ ሰነድ መግዝኢ ዘይምለስ ብር 50 ከፊሉ ካብ ዕለት 1/4/2017 ዓም ክሳብ 22/4/2017 ዓም ኣብ ወረዳ ሕንጣሎ ቤት ፍርዲ ዓዲጉዶም ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር ብምዉሳድ ዋጋ መሊኦም ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ጨረታ ከቅቡ ዝክእሉ
3 ጨረታ መከበሪ ብስፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዘብ ብር 3000 ቅድም ጨረታ ምክፋቱ ምስ ጨረታ ሰነድ ዝእትዉ
4 እቲ ጨረታ ኮነ ኢሉ ዘዛበዓ ወይድማ ዘጭበርበረ ካብቲ ጨረታ ክወፅእ ተገይሩ ዘትሓዞ ጨረታ መክበሪ ተወሪሱ ብናይ ትግራይ ዕድጊት መምርሒ ዝድንግጎ ብሕጊ ተሓታቲ ይከዉን
5 ድሕሪ ጨረታ ምክፋቱ ዝኮነ ይኩን መማሐየሺ ኣብ ጨረታ ሰነድ ምግባር ብፍፁም ኣይፍቀድን
6 ዝስዓረ ኣካል ዝፍለየሉ ንሕድሕድ ንብረት ማለት ኣይተም ባይኣተም ዝተሐተ ወጋ ዘቅረበ ሰዓራይ ይከዉን
7 ተጫራታይ ዝሰዓሮ ንብረት እቲ ዝሰዓረ ተጫራታይ ምካኑ ካብ ዝተፈለጠሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲታት ናብ ወረዳ ሕንጣሎ ቤት ፍርዲ ዓዲጉዶም ቀሪቡ ዉዕሊ ይኣስር
8 አብ ከይዲ ጨረታ ቅሬታ እንተሃልዎም ጨረታ ዉሳና ካብ ዝረከበሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ ተከታታልቲ ናይ ሰራሕ መዓልቲ ጥራሕ ናብ ወረዳ ሕንጣሎ ቤት ፍርዲ ዓዲጉዶም ከይዲ ሰራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቅሬቱ ብፅሑፍ ከቅርብ አለዎ
9 ሰዓራይ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያን መራገፍን ከቅርብ አለዎ
10 ሰዓራይ ናይ ዝሰዓሮ 10 ሚእታዊ ዉዕሊ መከበሪ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
11 ቤት ፅሕፈትና ዝሕሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስረዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
12 ቤት ፅሕፈትና 20 መእታዊ ናይቲ ዝሰዓሮ ዋጋ መጠን ናይ ምዉሳክን ምቅናስን መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
13እዚ ጨረታ ዕለት 22/4/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረክበሉ ይክፈት
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0932163458