ቁፅሪ፡-ዕ/ን/ጨ-53/17
ዕለት፡-24/03/2017 ዓ/ም
ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ጉሎመኸዳ ን2017 በጀት ዓመት ኣብ ወረድኡ ንዝርከብ ቤት ፅሕፈታት ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቑሑ፣ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ(ክገዝእ) ይደሊ። በዚ መሰረት ኣብዚ ጨረታ ንኽትጫረቱ(ንኸትወዳደሩ) እትደልዩ ተጫረቲ በዚ ምልክታ ይዕድም፡
ተጫረቲ ክተማልእዎ ዝግባእ ረቛሒታት ከም ዝስዕብ ይኸውን
1. ናይ ተጫረቲ ሽም፣ፊርማ፣ኣድራሻ፣ማህተም ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ክገብሩ ኣለዎም
2. ንናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቑሑ፣ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑን ናይ 2017 ዓ/ም ናይቲ ዓውደ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድን ናይ መቕረብቲ ምዝገባ መለለዪ ካርዲን፣ናይ ግብሪ ከፋሊ መፍለዪ ቁፅሪ(TIN)፣ተወሳኺ እሴት ታክስ(VAT) ዝተመዝገብሉ ናይ ምዝገባ ምስክር ወረቐት፣ ተወሳኺ እሴት ታክስ(VAT) ዝተመዝገብሉ ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ክሳብ ታሕሳስ 2017 ዓ/ም ዲክሌር ዝገበርሉ ዝተገናዘበ መረዳእታ ኮፒ ብምቕራብ ክትወዳደሩ ከም እትኽእሉ።
3. በዚ መሰረት ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ምልክታ ካብ ዝወፅአሉ(ዝተቓለሐሉ) ዕለት ጀሚሩ ብር=200(ክልተ ሚኢቲ ብር) ብምኽፋል ምውሳድ እትኽእሉ ምዃንኩም፡፡
4. ናይ ጨረታ መኽበሪ ብጥረ ገንዘብ(Cash)፣ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ(CPO) ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ውሕስና ባንኪ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሌተርኦፍ ክሬዲትን ምትሓዝ ዝከኣል ኮይኑ በዚ መሰረት ንፅሕፈት መሳርሒ ኣቑሑ 15,000(ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ብር)፣ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑ 10,000(ሓሙሽተ ሽሕ ብር) ብሽም ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ጉሎመኸዳ ከትሕዙ ዝኽእሉ ክኾኑ ኣለዎም፡፡
5. ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ኣታዊ ዝግበረሉ ቦታ ኣብ ወረዳ ጉሎመኸዳ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ምዃኑ ክትፈልጡ ይግባእ። በዚ መሰረት ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 08/04/2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡30 ቅድሚ ሰዓት ኮይኑ ጨረታ ዝኸፈተሉ ድማ ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዝተረኸብሉ በቲ ዕለት 08/04/2017 ዓ/ም ሰዓት 5፡00 ቅድሚ ሰዓት ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ይኸፈት።
6. እቲ ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት እንተድኣ ብካላንደር ዝዕፆ በዓል ኮይኑ ኣብ ዝቕፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ብተመሳሳሊ ሰዓት ይፍፀም፡፡
7. ተጫረቲ ዝህብዎ መጫረቲ ዋጋ ን30 መዓልቲ ፀኒዑ ዝፀንሕ ምዃኑ ኣብቲ ዘቕርብዎ ናይ ጨረታ ሰነድ ከረጋግፁ ይግባእ
8. ተጫረቲ ዋጋ እንትትመልኡ ኣብ ዝወሰድኩምዎ ዝርዝር ስፐስፊኬሽን ኣብ ዝተዳለወ ቅጥዒ ጥራሕ እንትኸውን በዚ መሰረት ተወሳኺ እሴት ታክስ(VAT) ወይ ድማ ቲኦቲ(IOT) ተመዝገብቲ ንዝኾንኩም ተጫረቲ እትመልእዎ ዋጋ ተወሳኺ እሴት ታክስ(VAT) ወይ ድማ ቲኦቲ(IOT) ዝሓወሰ ዋጋ ክትመልኡ ኣለኩም፡፡
9. ተጫረቲ ጨረታ እነጫርተሉን ዝኽፈተሉን ቦታ ኣብ ወረዳ ጉሎመኸዳ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ምዃኑ ፈሊጦም ክጫረቱ ዝኽእሉ ክኾኑ ኣለዎም፡፡
10. ተጫረቲ ናይ ዝቐርቡ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቑሑ፣ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑ ርኽክብ ዝፍፀመሉ ቦታ ኣብ ወረዳ ጉሎመኸዳ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ኮይኑ ናይ መጓዓዓዚ፣መፅዓንን መራገፍን ካብ መቕረባይ ምዃኑ ፈሊጦም ክጫረቱ ኣለዎም፡፡
11. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
12. ኣድራሻና ወረዳ ጉሎመኸዳ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን እዩ፡፡
ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቑዕሪ ስልኪ-0344340126 ወይ 0937037779 /0912941069 ምድዋል ይከኣል