ትካል ቴክኒክን ትምህርትን ስልጠናን ከተማ ሽራሮ

ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ሸራሮ ንኮሌጅና ግልጋሎት ዝዉዕሉ ብዝተፈላለዩ ዘርፊታት ማለት ሃለቅትን ቀወምትን ንብረታት ከም ናይ ፅሕፈት መሳርሒ: ናይ ህንፃ መሳርሒ: ናይ ኤሌከትሮኒክስ መሳርሒ : ናይ ኤሌክትሪክ መሳርሒ : ናይ ስፔር መሳርሒ : ናይ ፅሬት መሳርሒ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

1ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ክተቅርቡ እትክእሉ

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ቲን ሰርትፈኬት ከቅርብ ዝክእል

3 ቫት ዝተመዝገብክምሉ ሰርትፊኬትን ናይ ወርሒ መስከረም 2017 ዓም ዲክሪር ዝገብርክምሎም መረዳአታ ክተቅርቡ እትክእሉን

4 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባየነት ሰርትፊኬት ክተቅርቡ እትክእሉ

5 ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ዋጋ ፀኒ ዝፀንሐሉ ግዜ ን45 ተከታተልቲ መዓልቲ ዝከዉን

6 ተጫረቲ ዝተመልእዉ ዋጋ ቫት ዝሐወሰ ክከዉን አለዎ ኣብ ሰነዱ ዘይመለካተ ተጫራቲ ዝመለእዋ ዋጋ መወዳደሪ ከምዝመለ ኮይኑ ይሕሰብ

7 መወዳደሪ ደኩምኔት ስርዝ ድልዝ ሽም ኣደራሻ ናይ ታካል ፊርማን ማህተምን ክህልዎ ይግባእ

8 ተጫረቲ ዘይመለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ስነድ ጨረታ ካብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ሸራሮ ዳይሪክሮሪት ዕድጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 9 ክወስዱ ካብ ዕለት 10/3/2017 ዓም ክሳብ 26/3/2017 ዓም ኣብ ዘሎ ናይ ሰራሕ መዓልቲ ንጉሁ ሰዓት ክልተ 17 ቀትሪ ድሕሪ ሰዓት ድማ ካብ ሰዓት 9:00 ክሳብ 12:00 ናይ ምሸት ሰነድ ጨረታ ክትወስዱ ትክእል ኢኩም

9 እቲ ጨረታ ዕለት 27/3/2017 ዓም ሰዓት 3:00 ናይ ንጉሆ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 3:30 ኣብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ዳይሪክሮሪት ዕድጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 9 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ ይክፈት ይኩን እምበር ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይምርካቦም ከይተከፈት ዝተርፍ ጨረታ ኣይህልዉን

10 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መከበሪ ንህንፃ መሳርሒ 10000 ንስፔር ፓርት 10000 ንፅሕፈት መሳርሒ 5000 ንኤሌክትሪክ መሳርሒ 5000 ንኤሌክትሮኒክስ መሳርሒ 5000 ንፅሬት 3000 ሕጋዊ ዉሕስና ካብ ዘለዎም ባንኪታት ብስፒኦ ከትሕዙ አለዎም

11 ሰዓራይ ተጫራታይ ሰዓራይ ምካኑ ካብ ዝተነገሮ ጀሚሩ ናይ ዝሳዓሮ ጠቅላላ 10 ሚእታዊ ዉዕሊ መከበሪ ብምሓዝ አብ ዉሽጢ 3 ተከታተልቲ መዓልቲ ብኣካልቀሪቡ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል

12 ሰዓራይ ተጫራታይ ዝሰዓሮ ንብረት መሊኡ ኣብ ዉሽጢ 12 ተከታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ከቅርብ ዝክእል

13 ንበረት ብናይ ባዕሉ መገዓዝያ ናብ ኮሌጅና ከቅርብ ዝክእል

14 ትካልና ካብ ዝሰዓርዎ ንብረት 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእል እዩ

15 ኮሌጅና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስረዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914258905 0914525628