ቢሮ ርክብ ህዝቢ መንግስትን ክልል ትግራይ

ንካልኣይ ግዝ ዝወፀ

ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምኒኬሽን ትግራይ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ዓም ንቤት ፅሕፈትና ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለየ ናይ መኪና ኣቅሑት ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

1 ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብትን ናይ መወደእታ ወርሒተወሳኪ እሴት ታክስ ሪፖርት ከምእዉን መፍለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ማልት እዉን ቲን ኣብ ዝርዝር መቅረብቲ ዝተመዝገቡ ምካኖም መረዳእታ መቅረባየነተ ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ዝተቀመጠ ዝርዝር መዓቀኒታት ዘማልኡ

3 መከበሪ ጨረታ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት 10000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 100 ቅርሺ በምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምኒኬሽን ክልል ትግራይ ዳይሪክቶሪት ዕድጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 8 ካብ 10/3/2017 ዓም ክስብ 24/3/2017 ዓም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ግዜ መፂእኩም ምዕድጋን ናብ ዝተዳለወ ሳነዱቅ ጨረታ ምእታዉን ትክእሉ

5 ጨረታ ዝዕፀወሉን ዝከፈተሉን ዕለት 24/3/2017 ዓም ሰዓት 9:30 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 10:00 ድሕሪ ቀተሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረክብሉ ይክፈት

6 ቤት ፅሐፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንበዝለፀ ሐበሬታ ቤት ፅሕፈትና ዝርከበሉ መዕዶ ኣጋኣዚ ባንኪ ወይ ብስልኪ ቁፅሪ 0344409343 0914734003 0914766550