ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ክፍለ ከተማ ኩሓ

1 ናይ 2017 ዓም ፈቃድ ነግዲ ዝተሐደሰን ግበሪ ዝከፈለን መለለይ ቁፅሪ ከፋሊ ቲን ቁፅሪ ከቅርብ ዝክእል

2 ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ክቅርብ ዝክእል

3 ተጫረቲ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ 10/3/2017 ዓም ክሳብ 24/3/2017 ዓም 11:30 ሰነድ ጨረታ ዓዲግካ ምዉሳድ ዝከኣል ኮይኑ ክሳብ ዕለት 25/3/2017 ዓም ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቅ አታዊ ብምግባር ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀተሪ ተዓሺጉ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ይክፈት

4 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መከበሪ ቢድቦንድ ንመሳርሒ ፅሕፈት: ንኤሌክትሮኒክስ : ናዉቲ ቢሮን 15000 ቅርሺ : ንፅሬትን ሕትመትን 3000 ቅርሺ ብናይ ስፒኦ ባንኪ ዝተረጋገፀ ወይ ከዓ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል

5 ሰነድ ጨረታ መግዝኢ ድማ 100 ቅርሺ ዘይመለስ ይከዉን

6 ተጫረቲ ዝድሊ ሰነድ ጨረታ ብምዕሻግ ዋናን ቅዳሕን ኣብ ዋና ኣብ ሐደ ፖስታ ቅዳሕ ኣብ ሐደ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ዝተዳወለ ሳነዱቅ ምእታዉ ይክኣል

7 ንመሳርሒ ፅሕፈት: ንኤሌክትሮኒክስ : ናዉቲ ቢሮን ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገበቲ ጥራይ ኮይኖም ንካልኦት ግን ኩሎም ተወዳደርቲ ዝሐወሰ ኮይኑ ንቫት ተመዝገብቲ ናይ ወርሒ መሰከረም 2017 ዓም ዲክለሪሽን ከቅርብ ዝክእል

8 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም በዘይ ምቅራቦም ስነ ስርዓት ጨረታ ኣይተዓናቀፍን ወይ ከይተከፈተ ዝምለስ የለን

9 ናይ ተጫረቲ ሽምን ፊርማን ክታምን ክዓርፎ አለዎ እንተዘይኮኑ ካብቲ ጨረታ ወፃኢ ይከዉን

10 ተጫረቲ ጨረታ ዝሰዓረ ምካኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ሕጋዊ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል ናይ ዉዕሊ መከበሪ 10 ሚእታዊ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእልን ዉዕሊካብ ዝአሰረሉ ዕለት ድማ ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ ንብረት ኣታዊ ክገብር አለዎ

11 ቤት ፅሕፈትና ክሳብ 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክ ወይ ምንክይ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

12 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914888930 / 0914748829