1 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘቅርብ
2 ናይ መቅረባይነት ሰርተፈኬት ማለት እዉን ምስክር ወረቀት ዘለዎም
3 መለለይ ቁፅሪ ከፋለይነት ግብሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር ዘለዎም
4 ቫት ተመዝጋቢ ምከኑ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
5 ናይ ወርሒ ሐምለ 2016 ዓም ቫተ ድክለሬሽን ዘቅርብ
6 ኣብ ናዉቲ ኣቅሑት ገዛ ማለተ እዉን ፈርኒቸር ዝወዳደሩ ኣካለት መብርህቲ እንትጠፍእ ብዛይ ምቁራፅ ብናይ ባዕሉ ጀነሬተር ተጠቂሙ ዝሰርሕ
7 ናይ መኪና መለዋወጢ ብመርኣያን ብዝተቀመጠ ዝርዝር ጨረታ ሰነድ መሰረት ዝዕደግ ይከዉን
8 ጨረታ ሰነድ ዝሽየጠሉ ቦታ ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዳይሬክቶሪት ዕድጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረት ቀዳማይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 12 እንትከዉን ካብ ሀ ክሳብ ሐ ዝተዘርዘሩ ነጥቦታት ዋጋ መሸጢ ሰነድ ጨረታ ንፈርኒቸርን ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት ንነብስወከፍ ዘይምለስ 200 ቅርሺ ከምእዉን ንሐለዋግልጋሎት ድማ ይመለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል
8 ጨረታ ሰነድ ዝሽወጠሉ እዋን ጨረታ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ እዋን ክሳብ 18/2/2017 ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ካልኣይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 12 ብምምፃእ ምዉሳድ ይከኣል
9 ተጫረቲ መሊኡም ዘቅርብዎ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ ኣይግባእን ስርዝ ድልዝ እንተሃልዎ ተቀባልነት የብሉን
10 ብናይ ቢሮ መምሊ ቅጥዒ ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ንኒበይኑ ብፖስታ ተዓሺጉ ክሳብ 18/2/2017 ዓም ሰዓት 8:45 ናብ ዝተዓሸገ ሳንዱቅ ክኣትዉ ይግባእ ልክዕ ሰዓት 8:45 ምስኣከለ ይዕሸግ በቲ ዕለት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ሰዓት 9:00 ጨረታ ዝክፈት ይከዉን
11 መክበሪ ጨረታ ዝምልከት ንፈርኒቸርን ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት ንሕድሕድ 200000 / ክልት ሚኢቲ ሽሕ ቅርሺ / ንሐለዋ ግልጋሎት ድማ 20000 ቅረሺ / ዒስራ ሽሕ ቅርሺ/ ብስፒኦ ወይ ብዝተረጋገፀ ባንኪ ጋራንት ከትሕዝ ይግባእ
12 ተጫረቲ ሰዓራይ ምኮኑ ብደብዳቤ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሸጠ 5 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ይኣስር
13 ተጫራታይ ካብ ዝሰዓሮ ጠቅላለ ዋጋ 10 ሚእታዊ ሕጋዊነቱ ብዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይድማ ዝተረጋገፀ ባንኪ ጋራንት ናይ ዉዕሊ መከበሪ ብምትሓዝ ዉዕሊ ክኣስር ይግባእ
14 ጨረታ ሰዓራይ ዉዕሊ ካብ ዝፈፀመሉ ዕለት ጀሚሩ ናይ ዋርድያ ሓለዋ ን10 ተከታተልቲ መዓልቲ ንናዉቲ ፈርኒቸር 60 ተከላታተልቲ መዓልቲ ንመለዋወጢ ኣቅሑት መኪና ንበስወከፍዓይነት ንብረት ኣብ ዉሽጢ 30 ተከታታሊ መዓልቲታት ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ብባዕል ሞያ ፅሬቱ ተረጋገፂ ናብ ንብረት ክፍሊ ከረክብ ይግባእ
15 ዝኮነ ተጫራታይ ብዛዕባ እቲ ሰነድጨረታን ካልእ መብራርሂ ዘድልዩ እንተኮይኑ ብፅሑፍ ጥራሕ ምሕታት ይከኣል
17 እቲ ቢሮ ዝሐሸ አማራፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344403477 / 0344408299