ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ንማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ አባፅሕ ደቂ አንስትዮ ፐርሰናል ኣይተም ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ሕዎት ነጋዶ ዝኾንኩም ንክትወዳደሩ ንዕድም ::

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግበእ ረቋሒታት

1. ናይ 2016 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፋቃድ ከቅርብ ዝኽእል

2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ ( TIN NO) ከቅርብ ዝክእል

3. ናይ ቫት ተመዝጋቢ ሰርተፊኬት ከቅርብ ዝክኣል

4 ተጫረቲ ናይቲ ዝመልእዎ ዋጋ 2% ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

5. ናይ ጨረታ መግዝኢ ሰነድ ዘይምለስ ብር 50 ብምክፋል ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደቂ አነስትዮ ትግራይ ብኣካል ብምምፃእ ምውሳድ ይካኣል

6. ተጫረቲ ዘቅርብዎ ንብረት ፅሬቱ ዝሓለወ ክክውን ይግባእ

7. ተጫራታይ ሳንራይ ምኳኑ ከብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ አብ ውሽጢ 7ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት አታዊ ክገብር ዝክእል

8. ተጫራታይ ካብ ናይ ቤት ፅሕፈትና ስፒስፊኬሽን ወፃኢ ምምላእ አይፍቀድን

9. ተጫራታይ ኣብ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎ ብቀጥታ ካብ ጨረታ ይስረዝ

10. ወረታ ሰነድ አብ አየር ዝፀንሐሉ ግዜ ካብ ዕለት 30/01/2017ዓ.ም ክሳብ 8/02/2017 ዓ.ም ዝፀንሕ ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 8/02/2017 ዓ.ም ሳዓት 9፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 3፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረከብሉ አብ ቀበሌ 15 አብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈትና ዝክፈት ይክውን

11. ቤት ፅሕፈትና ካብቲ ዘጫረቶ 20% ምዉሳኸ ወይ ምቕናስ ይኸእል

12. መክፊቲ ዕለት ቀዳም ሰንበትን እንተዊዒሉ አብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝክፈት ይክውን

13. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ ምኳኑ