ቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ከተማ ማይጨዉ

1ተወሳኪ አሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነ  ፡ ናይ ዘመኑ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎን ዘሐደሰን ፡ ናይ ዘመኑ ግበሪ ዝከፈላሉ መረጋገፂ ወረቀት ከቅርብ ዝክእል

2 ሕጋዊ ፈቃድ ንግዲ ዘለዎን መለለይ ከፋላይነት ግብሪ ተመዝጋባይ ዝኮነ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

3 ናይ ነቶም ንብረት ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዝሐዘ ዘይመለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ብምዉሳድ ካብ 27/1/2017 ዓም ጀነሚሩ ካብ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 1 ብምዉሳድ ዋናን ቅዳሕን ሰነድ ብምዕሻግ ናይ ተጫረቲ ሸምን ፊርማን ማህተምን ብምዕራፍ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታዉ ይከኣል

4 ጨረታ ካብ 27/1/ 2017 ዓም ክሳብ 11/2/2017 ዓም ልክዕ ሰዓት 4፡00 ተጠቀዒ ክፀንሕ እዩ

5 አቲ ጨረታ 11/2/2017 ዓም ልክዕ ሰዓት 4፡00 ተዓፀዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ናይ መገጣጠምን ቆፅረትን ኣብ ከተማ ማይጨዉ ክክፈት እዩ

6 መሰርሒ ኣቅሑት ፅሕፈትን፡  ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስን ድማ 11/2/2017 ዓም ልክዕ ሰዓት 8፡00 ተዓፀዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ናይ መገጣጠምን ቆፅረትን ኣብ ከተማ ማይጨዉ ክክፈት እዩ

7 ኣብ እዋን ጨረታ ካብ ዓቅሙ ንላዕሊ ዝኮነ ተጫረቲ ብቅዑ ምክኒያት አቀደሚ እንተረኪቡ ናይ ጨረታ ረቆሒታት አማሊኡ እንተተረኪቡነ ክክፈት ይክእል እዩ

8  ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ናይ ማይን መገጣጠሚ ቆፃሪን 10000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ የትሕዙ ፡ ንኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስን መሳርሒ ፅሕፈትን 5000 ቅርሺ ፡  ንናይ ፅሬት ኣቅሑት ድማ 3000 ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ የትሕዙ

9 ተጫረቲ ናይ ዝሰዓርዎ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ መከበሪ ዉዕሊ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ዝክእሉ

10 ሰዓርቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ካብ 20 ጥቅምቲ 2017 ዓም ጀሚሩ ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት አገልግልት ቀረብ መሰት ማይ ከተማ ማይጨዉ ኣታዊ ክገብሩ አለዎም

11 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ አዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0953176749 / 0347770201