ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳር ክልል ትግራይ

ንኻልኣይ ጊዜ ዝወፅአ ምልክታ ጨረታ

ዘ/ፋ/ቢ/ሰ/ፀ//ግ/ጨ/ቁ 003/2017

ክፍሊ ዕደጋ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ን2017 በጀት ዓመት ንፊኖ ዝኸውን ፅርየቱ ዝሓለወ ደረቕ ጥረ ስርናይ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዝኾነ ልዕል ኢሎም ኣብዝተጠቐሱ ዘርፊ እትነጥፉ ነጋዶ፦

➢ ኣብቲ ዓውዲ ንኽትወዳደሩ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፈቃድ ንግዲ ዘለኩም።

➢ በቲ ዓውዲ ከምትነጥፉ መቕረባይነት ዘለኩም። ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈልኩም ምዃንኩ መረዳእታ ክተቕርቡ እትኽእሉ።

➢ ናይ ግብሪ ከፋሊ ሰተፊኬት (TIN)ን ናይ መቕረባይ ፈቓድ ዘለኩም ንኽትሳተፉ ይዕድም፡

ብምዃኑ ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዝርዝር መምርሒ ዝሓዘ ሰነድ ብር 200.00 (ክልተ ሚኢቲ ብር ጥራሕ) ብምኽፋል ኩሉ ጊዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ኣብ ክፍሊ ዕደጋ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን እዚ ፃውዒት ጨረታ ካብ ዝተገበረሉ ዕለት 25/01/2017 -05/02/2017 ሰነድ ጨረታ ብምግዛእ በቲ ቢሮ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ክተእትዉ ከም ትኽእሉ ይገለፅ፡፡ እዚ ጨረታ ጥቅምቲ 05/2017 ረፋድ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለትን ሰዓትን ረፋድ 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ተወከልቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት።

ቤት ዕዮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብኽፋል ወይ ምሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

• ንተወሳኺ ሓበሬታ

0344-408912

0914008595

0920426802