ቤት ፅሕፈት እቶትን ፋይናንስን ዓለባ ወረዳ ራያ

ቑፅሪ ወ/ራ/ጨ/ፋ-106/16 

ዕለት 22/01/2017 ዓ/ም

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ል/እ/ምም/ር ፋይናንስን ወረዳ ራያ-ጨርጨር ካብ ናይ UNDP በጀት ንሴክተራት ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ቀወምቲ ኣቕሑት ንምግዛእ ሰለ ዝደለና እዞም ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ኣቕሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

1/ ናይ ኮምፒተርን ተዛመድትን ኣቕሑት

2/ ናይ ኦፊስ ፈርኒቸር ኣቕሑት

3/ ሞተር ብስክሌት

ስለዚ እዞም ኣብ ታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ንክትወዳደሩ ንዕድም

✓ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ

✓ መቕረባይነት መረዳእታ ከቕርብ ዝኽእል

✓ TIN መረዳእታ ከቕርብ ኣለዎ

✓ ሻት መረዳእታ ከቕርብ ኣለዎ

✓ ሻት ዲክሌር ዝገበረሉ መረዳእታ ከቕርብ ዝኽእል

✓ ሰዓራይ ምዃኑ ምስ ተነገሮ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ 10% ኣትሒዙ ውዕሊ ኣሲሩ ኣብ ውሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዘሸነፎም ኣቕሑት የረክብ

✓ ናይ ጨረታ መኽበሪ ቢድቦንድ ኣቕሑት

1/ ናይ ኮምፒተርን ተዛመድትን ኣቕሑት ብር 20,000.00 ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO

2/ ኦፊስ ፈርኒቸር ኣቕሑት ብር 20,000.00 ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO

3/ ሞተር ብስክሌት ብር 10,000.00 ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ከትሕዝ ዝኽእል

✓ ጨረታምልክታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ እዋን ካብ ዕለት 22/01/2017 ዓ/ም ክሳብ 06/02/2017 ዓ/ም ኮይኑ ዕለት 06/02/17 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ተዓፅዩ ተጫረቲ ወይ ከዓ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ል/እ/ምም/ር ፋይናንስን ወረዳ ራያ ጨርጨር ሰዓት 4፡00 ይኽፈት

✓ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ል/እ/ምም/ር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምም/ርን ካብ ዕለት 22/01/2017 ዓ/ም ክሳብ 06/02/2017 ዓ/ም (ዕለት 06/02/2017 ዓ/ም ክሳብ ሰዓት 3.00 ንጉሆ) ብምምፃእ ንሕድሕዱ ሰነድ ጨረታ ብር 200 ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል

✓ ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ

ንተወሳኺ ሓበሬታ፦ ብስልኪ ቑፅሪ 0914119551 /0914200772 /0930629035 ምሕታት ይከኣል።