ዕለት 22/01 /2017 ዓ/ም
ቁፅሪ /RefNo 372/ኤ -2/ ፕሮ-26
ምልክታ ፕሮፎርማ ቑፅሪ -6
ኤጀንሲ መራከቢ ሓፋሽ ትግራይ ንቢሮ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ሬድዮ መሳርሒ ኣቁሑት ብፕሮፈርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ::
በዚ መሰረት ክትወዳደሩ እትደልዩ መቅረብቲ ትካላት
• ናይ2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድን መቅረባይነት ዘለኩም::
• ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቊዕሪ/Tመረዳእታ ከቅርብ ዝክእል::
• ተጫረቲ በቲ ዝቀረበ ዝርዝር /Specification/መሊኡ ከቅርብ ኣለዎ::
• መቅረብቲ ካብ ዕለት 23/01/2017 ክሳብ 27/01/2017ዓ/ም ክሳብ ሰዓት 11: 30 ሰነድ ፕሮፈርማ ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትክእሉ::
• ፕሮፈርማ ዝክፈተሉ ዕለት 28/01/2017ዓ/ም ሰዓት 4.30 ተወዳደርቲ ትካላት ወይ ተወከልቶም ኣብ ዘለው ይከፈት እዚ ፕሮፈርማ ተወዳደርቲ ትካላት ወይ ተወከልቶም እንተዘይ ተረኪቦም ንምክፋት ዝዓግት የለን::
• ኣብ መምሊኢ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ምግባር ኣይፍቀድን
• ተሳተፍቲ ኣብ ሰነድ ፕሮፈርማ ማህተም ናይ ድርጅቶም ክዓርፎ አለዎ
• ኤጅንሲ ዝሓሸ ኣማረፂ እንትረክቡ እዚ ፕሮፈርማ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስርዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
ኣድራሻና ኤጄንሲ መራከቢ ሓፋሽ ትግራይ ህንፃ 1ይ ደብር ቁፅሪ 106 ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምም/ንብረት::
ተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 42 40 63 80 ኣብ ስራሕ ስዓት ምድዋል ይካኣል::