አደዳይ ማይክሮ ፋይናንስ ሓ/ዝ/ወ/ማ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንሰ ኣደዳይ ንቤት ፅሕፈት ዘገልግሉ ዝተፈላለዩ ኤሌክትሮኒክስን (ኮምፒተር፣ፕሪንተር ካልኦትን)፣ ህንፃ መሳርሒ(ጀነሬተር)፣ ስፖርት ኣቁሑ(ሳይክል)፣ ናይ ቢሮ ኣቑሑት(ፈርኒቸር)፣ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ናይ ፅሬት ኣቑሑትን ካብ ቆዋሚን ሃላቒን ወፃኢ ዝኾኑ ኣቑሑትን ኣብ በጀት ዓመት 2024/2025 ኣፈ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

1) ዝርዝር ዕድጊት ዝፍፀሙ ኣቑሑት ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ኣድራሻ 1ይ ወያነ ቀበሌ 11 ዕዳጋ ሰላም መፂኹም ሰነድ ብምውሳድ ምውድዳር ይከኣል፡፡

2) ኣብዚ ጨረታ እትሳተፉ ክታማልእዎ ዝግባእ ርቋሒታት:-

▪ በቲ መስመር ዝወፀ ናይ 2016/17 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቕድ ዘለኩም:

▪ መፍለዩ ቁፅሪ ከፋሊ ግብሪ (TIN) ዘለኩም፡

▪ ምስክር ወረቐት መቕረባይነት ከቕርቡ ዝኽእሉ:

▪ ቫት ሰርቲፌኬት ዝተመዝገቡ ምዃኖም ዝገልፅ

▪ ናይ ወርሓዊ ሻት ሪፖርት ዘእወጅሉ ኮፒ ከቕርቡ ዝኽእሉ፡

3) ትካል ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ካብ ዘዳለዎ ሰነድ ጨረታ ወፃኢ ብናይ ባዕሉ ሰነድ መሊኡ ምቕራብ ኣይከኣልን፣

4) ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ 200.00 (ክልተ ሚኢቲ ቅርሺ) እናኸፈልኩም ምግዛእ ትኽእሉ፣

5) ዝርዝር ዋጋ መግለፂ ጨረታ ካብ ዕለት 02/10/2024 ኣ.ፈ (22/01/2017 ዓ.ም) ክሳብ ዕለት 11/10/2024 ኣ.ፈ (01/02/2017 ዓ.ም) ስዓት 8፡00 ኣብ ዝተፈቐደ ቦታ ኣብ ኣየር ይፀንሕ። ጨረታ መኽፈቲ ዕለት 11/10/2024 ኣፈ (01/02/2017 ዓ.ም) ሰዓት 8፡30 ቦታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ይኸውን ፡፡

6) ንሕድ ሕድ ተጫረቲ

✓ ንኤሌክትሮኒክስ መኸበሪ ጨረታ 15,000.00 (ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ) ፣

✓ ንፈርንቸር መኸበሪ ጨረታ 15,000.00(ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ) ፣

✓ ንፅሕፈት መሳርሕን ፅሬትን መኸበሪ ጨረታ 15,000.00 (ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ) ፣ ✓ንስፖርት ኣቑሑት መኸበሪ ጨረታ 5,000.00 ( ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ) ፣

✓ ንህንፃ መሳርሒ ኣቅሑት መኸበሪ ጨረታ 12,000.00 (ዓሰርተ ክልተ ሽሕ ቅርሺ) ፣ብጥረ ገንዝብ ኣብ እዋን መኸፈቲ ጨረታ ከትሕዝ ዝኽእል፣

7) ንሕድ ሕድ ንብረት ዝምላእ ዋጋ ብመሰረት ምስ እዙይ ጨረታ ሰነድ ቀሪቡ ዘሎ ዝርዝር መግለፂ (ስፐስፊኬሽን) ከምኡ እውን ብሳምፕል ዝተብሃለ ንብረታት ብኣካል ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ብምርኣይ ክኸውን ይግባእ፣ ኣብ ስፐስፊኬሽን ዝግበር መስተኻኸሊ እንተልዩ ብንፁር ክግለፅ ኣለዎ፣

8) ዘሸነፈ ተጫራታይ ካብ ዝግለፀሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ናይ ዝሰዓሮ ዋጋ 10 ሚኢታዊ መኸበሪ ውዕሊ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ብምትሓዝ ውዕሊ ክኣስር

ዝኽእል፣

9) ትካልና ማ/ኣ/ማ/ፋይናንስ ኣደዳይ ዝሓሸ ኣማራፂ እነተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ::