ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ

ቁፅሪ ዕፉን/ም /15/0704/2017 ዓ/ም

ዕለት 13/01/2017 ዓ/ም

ምልክታ ፕሮፎርማ ን3ይ ግዜ ቁፅሪ 03/2017 ናይ ኤሌክትሮኒክስ ጉልበት ዋጋ ይምልከት

ቢሮ ቴክኒክን ሙያን ትምህርትን ስልጠናን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ክልል ትግራይ ን2017 ዓ/ም ዘለዋና ኤሌክትሮኒክስ ፅገናን ቪስን ጉልበት ዋጋ ብፕሮፎርማ አወዳድርካ ክነስርሕ ይደሊ፡፡ ስለዚ ኣብዚ ፕሮፎርማ ጨረታ ክትወዳደሩ እትኽእሉ ምልከተኩም ሕጋውያን ነጋዶ በቲ ኣብ ታሕቲ ዝተገለፀ ረቛሒ መሰረት ንክትወዳደሩ ብክብሪ ንዕድም፡

1. ናይ 2016/17 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም

2. ናይ ግብሪ ከፋላይነት ቲን ከምኡ ውን ዝተሓደሰ መቅረባይነት ናይ 2016/17 ዓ/ም ከቅርብ ዝክእል ይኸውን

3. ናይዚ ፕሮፎርማ ሰዓርቲ እንተኾይንኩም ካብ ዝተገለፀልኩም እዋን ጀሚርኩም ኣብ ውሽጢ ዝተወሃበኩም መዓልቲ ኣብ ስራሕ ክተቅርቡን ።

4. ነጋዶ ናይ መወዳደሪ ደኩሜንትኹም ናይቲ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒን ናይ ትካልኩም ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ኮይኑ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ዝተዓሸገ ፖስታ ንቢሮ ቴክኒክን ሙያን ትምህርትን ስልጠናን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ክልል ትግራይ ዳይሪክቶሬት ዕደጋ፣ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 333 ካብ 13/01/2017 ዓ/ም ክሳብ 15/01/2017 ዓ/ም ክሳብ ሰዓት 11፡30 ኣብ ዘሎ ግዜ ዋጋ መሊኢኩም ክተቕርቡ እትኽእሉን ብድሕሪኡ ዝመፅኣ ፖስታ ዘይንቅበል ምዃና ንሕብር ።

5. ፕሮፎርማ ዝክፈተሉ ዕለት 16/01/ 2017 ዓ/ም 3፡30 ናይ ንጉሆ ይከውን

6. ናይቲ ዝሰዓርኩምዎ ንብረትዋጋ ልዕሊ 20000.00/ዒስራ ሽሕ ብር/እንተኾይኑ ቫት ዝተመዝገብኩም ሻት 7.5 % ኣብቲ ቢሮ ተቖሪፁ ዝተርፍ ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ ።

ሰዓራይ

7. ተወዳደርቲ ዘቕረብዎ መወዳደሪ ደኩሜንት ከም ውዕሊ ኮይኑ ከም ዘገልግልን ኮይኑ ምዃንኩም/ን ምስተ ፈለጠን ደብዳቤ ምስ በዕሓኩም ኣየቅርብን ወይም ውዕሊ ኣይአስርን ምባል ተቀባልነት የብሉን ፡፡

8. ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ ።

9. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 034-4403447 ደዊሎም ክሓቱ ይኽእሉ ።

ቢሮ ቴክንክን ሙያን ትምህርትን ስልጠናንን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ክልል ትግራይ