ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ

ምልክታ ፕሮፎርማ

ኣብ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ዳይሪክቶሬት ዕደጋ ፋይናንሰ ንብረት ምምሕዳር ንቤት ፅሕፈት ዳግመ ህንፀትን ሕውየት ትግራይ/UNDP/ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ መኪና መጋየፂ ኣቑሑት ብምልክታ ፕሮፎርማ ዕደጋ ሜላ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ኣብዚ ክትወዳደሩ እትደልዩ ትካላት/ብንግዲ ዘርፍኩም መሰረት/

1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዝተሓደሰ መቕረባይነት ቲን ናምበር ፎቶ ኮፒ ምስ ተቕርብዋ ናይ ዋጋ መግለፂ ብምትሕሓዝ ብፓስታ ኣሺኩም ንዕለት 19/10/16 ዓ.ም ሰዓት 11:00 ኣጋ ምሽት ናብ ቑፅሪ ክፍሊ 3-18 ምቕራብ ይግባእ:: ዝቐረበ ፕሮፎርማ ዕለት 20/10/16 ዓ.ም ሳዓት 3:00 ንጎሆ ዝኸፈት ምዃኑ ንገልዕ::

2. ፕሮፎርማ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን7ተ ናይ ስራሕ ማዓልቲ ዝቐረበ ዋጋ ዝፀነዐ ይኸውን

3. ስፐሲፌኬሽን ካብ ቤ/ፅ/ት ፕረዚደንት ዳ/ዕ/ፋ/ንብ/ምም/ር ቑ/ክፍሊ 3-18 ብኣካል

ምውሳድ ይካኣል

4. ካብ ዝቐረቡ ተወዳደርቲ ሳዓራይ ምስ ተነፀረ ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ስራሕ ማዓልቲ ንብረት ከርክብ አለዎ

5. ንዝደለ ሓበሬታ ብአካል ወይ ብሰልኪ ቑፅሪ 0914732577/0914706215 ምሕታት ይካአል

6. ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ዳይ/ዕ/ፋይ/ንብ/ምም/ር/ ኣብ ዘውፅኦ ፕሮፎርማ ብኸፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ መሰራዝ መሰሉ ዝተሓለወ'ዩ::