ኤጀንሲ ድጅታል ክልል ትግራይ

ቁፅሪ: ፕሮ-14/11/16

ዕለት: 11/10/2016 ዓ/ም

ምልክታ ፕሮፎርማ ቑፅሪ 11/16

ዝወፀ ምልክታ ፕሮፎርማ ዝርዝር ተደላይ ንብረትን ነጋዶ ዝመልእዎ መወዳደረ ነፀላ ዋጋን ዘርኢ ሰደቓ ነዚ ቅጥዒ ዝመለአ ነጋዳይ

ኣብ ኤጀንሲ ድጅታል ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር ንኤጀንስና ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ሕትመት ስራሕ ብፕሮፎርማ ፡ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ። በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ረቋሒታት እተማልኡ ነጋዶ ክትሳተፉ/ፋ ትኽእሉ/ላ፡፡

መምርሒ ተወዳደርቲ/ተጫረቲ/

➢ በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድን ግብሪ ከፈላይ ቁፅሪ/TI/ ዘለዎ ምኻኑ መረዳእታ ዘቕርብ ፣ ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐት መረዳእታ ከቕርብ ዝክእል።

➢ ሰዓራይ ምስ ተፈለጠ ካብ ዝተገለፀልኩም እዋን ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ብናይ ባዕልኹም ትራንስፖርት ናብ ኤጀንስና ክተቕርቡ ትኽእሉ ነጋዶ ንግዲ ፍቓድኹም፣ ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለይ ቁፅርኹምን ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐትኩምን ኮፒ ምስ መወዳደሪ ዶክመንትኹምን ብምትሕሓዝ ክትወዳደሩ ትኽእሉ ምኳንኩም እናገለፅና መወዳደሪኹም ሽምን ፊርማን፣ ኣድራሻን ናይ ትካልኹም ማህተምን ብምግባር ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ካብ ዕለት 11/10/2016 ዓ/ም ክሳብ 13/10/2016 ዓ/ም ሰዓት 9፡30 ድ/ሰዓት ክተቕርቡ/ክትወዳደሩ ትኽእሉ።

➢ እቲ ፕሮፈርማ ዕለት 13/10/2016 ዓ/ም ሰዓት 10፡00 ድ/ሰዓት ኣብ ኤጀንሲ ድጅታል ትግራይ ደጀን ቢሮ ቁፅሪ 1-06 ይኽፈት፡፡

➢ ሰዓርቲ እቲ እተቅርብዎ ናይ ሕትመት ስራሕ : ቅቡል ዝግበር ኤጀንስና ብዝወከሎም ሰብ ሞያታት ተፈትሹ ምስ ተረጋገፀ እዩ፡፡

➢ ካብቲ ዝተሓተተ ስፔሲፊኬሽን ወፃኢ ካሊእ ዓይነት ቀይርካ ዝምላእ ዋጋን ስርዝ ድልዝ ዘለዎን ተቐባልነት የብሉን።

➢ እዚ ሰነድ ጨረታ ፕሮፈርማ እዙይ ኣብ መንጎ ሰዓራይ ትካልን ኤጀንሲ ድጅታል ትግራይን ከም ሕጋዊ ውዕሊ ኮይኑ ከም ዘገልግል ክትፈልጡ ይግባእ።

➢ ኤጀንስና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ጨረታ ፕሮፈርማ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

➢ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ እዋን እቲ ጨረታ ፕሮፎርማ ተራእዩ ሰዓራይ ካብ ዝተፈለጠሉ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ 7 ናይ ስራሕ መዓልቲ ይኸዉን፡፡

ዝርዝር ናይ ሕትመት ስራሕቲ መወዳደሪ ነፀላ ዋጋ ዘርኢ ሰደቓ

ተ.ቁዓይነት ሕትመትእስፐስፊኬሽንመለክዒበዝሒናይ ሓደ ዋጋጠቕላላ ዋጋ
ብርብር
1Flash Original 32GB“ኤጀንሲ ድጅታል ትግራይ” ዝብል ሽምን ሎጎን ሕቅት ፍላሽ ኮይኑ ዓይነት ፍላሽ ሳምፕል ምርኣይ ይከኣል ዘካተተ ዝተመረፀ ድማ ናብ ሕትመት ይኣቱብቁፅሪ10
2Flash Original 64GBብቁፅሪ45
3Flash Original 16GBብቁፅሪ10

✓ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342400527 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል፡፡

➢ ኣድራሻመቐለ ዓዲ ሓቂ ደጀን ቢሮ - ቢሮ ቁጥር 1-06