ኮሌጅ ፖሊቴክኒክ መቐለ

ቑፅሪ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር/1526/ሀ-01 

ዕለት 11/10/2016 ዓ/ም

ምልክታ ፕሮፎርማ ቑፅሪ 13/2016 ዓ/ም

መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቕሑት፣ ህንፃ መሳርሒ ኣቕሑት፣ ፅሬት ኣቕሑትን ናይ ኤሌክትሪክ ኣቕሑትን ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

መምርሒ ተወዳደርቲ/ተጫረቲ/

1/ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ በቲ ዘፈር ዘለኩም።

2/ ናይ ግብሪ ከፈላይነት መፍለዪ ቁፅሪ /TI/ ዘለኩም።

3/ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ መቅረባይነት ዘለኩም ።

4/ 2% Withholding tax ክኸፍል ዝኽእል።

5/ ዝቐርቡ መረዳእታታት ኮፒ ብግልፂ ዝንበቡ( ዝረአዩ )ክኾኑ ኣለዎም።

6/ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተጫረቲ ካብ ዕለት 11/10/2016 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 13/10/2016 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 11:00 ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ቢሮ ቁፅሪ 08 ዳ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን መፂእኹም ምዉሳድ ትኽእሉ።

7/ እቲ ፕሮፎርማ ዕለት 14/10/2016 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:00 ኣብ መቐለ ፖሊቴክኒክ ኮሌጅ ዳሬክቶሬት ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 08 ይኽፈት።

8/ ተጫረቲ እዚ ጨረታ ኣብ ዝኽፈተሉ ዕለት ናይ ምርካብ መሰሎም ዝተሓለወ ኮይኑ ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ግን እቲ ጨረታ ኣይተኣጓጎልን።

9/ ሰዓራይ ምስ ተፈለጠ ካብ ዝተገለፀልኩም ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3' ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝሰዓርኩሙዎ ንብረት ኣታዊ ክትገብሩ ኣለኩም።

10/ ኮሌጅና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

11/ ዋጋ ፀኒዑዝፀንሓሉ ጊዜ ጨረታ ፕሮፎርማ ካብ ዝኸፈተሉ ዕለትጀሚሩን 7 ተኸታተልቲ መዓልታት ይኸውን፡፡

12/ ኣብ ናይ ጨረታ ቅጥዒ ካብ ስፔስፊኬሽን ወፃኢ ምፅሓፍ ፣ስርዝ ድልዝ ዘለዎ ከምኡ እውን ተመሳሳሊ

ኢልካ ምምላእ ኣይፍቀድን።

13/ ኮሌጅና ካብ ዘዳለዎ ሰነድ ጨረታ ወፃኢ ብናይ ባዕልኻ ሰነድ መሊእኻ ምምፃእ (ምእታው) ኣይከኣልን።

14/ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03-44-40-45-92 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ።