ግልፂ ጨረታ
ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ናይ ኮር ድሪሊንግ (Core Drilling Works) ስራሕቲ ዝሰርሑ ትካላት ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደሊ በቲ ስራሕ ክትወዳደሩ እትደልዩ ሕጋውያን ተወዳደርቲ ዘይምለስ ብር 500.00 ሓሙሽተ ሚኢቲ ብምኽፋል ትካል ዘዳለዎ ዝርዝር ጨረታ ሰነድ ወሲድኩም ንክትወዳደሩ ንዕድም::
1. ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኮፒ ክተታሓሕዙ ትክእሉ፡፡
2. ናይ መቕረባይ ምዝገባ ሰርትፊኬትን IN ቑፅሪ ዝሓዘ ኮፒ ክተታሓሕዙ ትኽእሉ፡፡
3. ቫት ተመዝጋቢ ተኾይኖም ናይ ቫት ሰርትፊኬት ኮፒን ዘቕርብዎ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ክኸውን ኣለዎ፡፡
4. ካብ ዝምልከቶ አካል ዝተውሃበኩም ናይ ብቕዓት መረጋገፂ መረዳእታ ክተቕርቡ ትኸእሉ፡፡
5. ናይ ጨረታ መኸበሪ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብ CPO ብር 10,000.00 (ዓሰርተ ሽሕ) ከተትሕዙ ትኸእሉ፡፡
6. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዶኩመንት ፋይናንሻልን ቴክኒካልን ሓደ ዋና ምስ ሓደ ቕዳሕ ተፈላልዩ ብስምዒ ብምዕሻግ ንጨረታ ሰነድ መእተዊ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ቅድሚ ጨረታ መዕፀዊ ስዓት ምብፅሑ ኣታዊ ይገበሩ፡፡
7. ዝርዝር ናይ ኮር ድሪሊንግ ስራሕቲ ዝሓዘ ሰነድ በዓል 98 ገፅ መረዳእታ ንዝደሊ ተወዳዳራይ ጨረታ ቅድሚ ምዕፃው ኣብ ዘለዉ ተኸታተልቲ 5' መዓልታት ብአካል ወይ ብፅሑፍ ምቕራብ ይከኣል እዩ፡፡
8. ጨረታ አብ አየር ዝፀንሓሉ ዕለት ካብ 10/10/2016 ዓ/ም ክሳብ 24/10/2016 ዓ/ም ኮይኑ በቲ ዕለት ስዓት 5፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ስዓት 8፡30 ተጫራቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸበሉ ይኸፈት፡፡
9. ትካልና ካልእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዮ፡፡
ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ/ቑ 0914-742142 ምሕታት ይካአል እዩ፡፡