ኮርፖሬሽን ልምዓት ኢንዱስትሪ ፓርክታት ትግራይ

ቑፅሪ T\PDC/G/02/2016

ንካልኣይ ግዜ ዝወፀ ግልፂ ጨረታ 

ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ትግራይ ካብ ናይ ውሽጢ እቶት በጀት ሞተር ሳይክል ፕሪንተርን ኮምፒተርን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ስለዚ

1. በቲ ዘርፊ ናይ 2016 ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኦርጂናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል፡

2. ናይ ግብሪ ከፉላይ መለለይ ቑፅሪ IN ሰርተፊኬት ኦርጂናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል፣

3. ንተወሳኪ እሴት ታክስAI ዝተመዝገበ፡ VAI ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ብመምርሒ መሰረት VAI ድክላሬሽን ናይ ሕሉፍ 3ተ ወርሒ ኦርጂናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል፣

4. በቲ ዘርፊ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምዃኑን ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ምስክር ወረቐት ኦርጂናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል፣

5. ናይ መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ፡ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ፣ ማህተምን ፊርማን ዘለዎ ክኸውን ይግባእ፣

6. ተጫራቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ካብ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ትግራይ ቢሮ ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ሪፍት ቫሊ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ዝርከበሉ ህንፃ 2 ደብሪ ቁፅሪ 204 ካብ ዕለት 06/10/2016 ዓ/ም ክሳብ 21/10/2016 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዚያት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቕራብ ሰነድ ጨረታ ብር 100.00 ብምኽፋል ብምዉሳድ ክትወዳደሩ

7. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ ሰነድ ጨረታ ብር 15,000.00/ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ብር / ብሽም ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ትግራይ/ Tigray Industrial Parks Development Corporation/ ብCPO ወይ ብሰርቲፋይድ ቼክ ወይ ድማ ብጥረ-ገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ድማ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከቕርብ ዝኽእል፣ ትኽእሉ፡

8. እቲ ጨረታ ዕለት 21/10/2016 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ስዓት 3፡30 ቅ/ቀትሪ ኣብ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ትግራይ ቢሮ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸቡሉ ይኹን ኣብ ዘይተረኸቡሉ ይኸፈት፡፡

9. ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሓሽ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ

10. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0342417506/ 0945520699 ደዊልካ ምሕታት ዝካኣል ምዃኑ ንሕብር እዩ።