መለስ ማእኸል ተሃድሶ ሰራዊት ትግራይ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማእኸል ተሃድሶ ሰራዊት ትግራይ መለስ ካምፓስ ንውጉኣት ተጋደልቲ ንምግብነት ግልጋሎት ዝውዕል ፀባን እንቋቁሖን ብግልጺ ጨረታ ኣጫሪቱ ክዕድግ ይደሊ ። በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ክትሳተፉ ይዕድም።


1) ተጫረቲ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎምን ኣድላዪ ዘበለ ዶክሜንትን ምስቲ ሰነድ ፎቶ ኮፒ ኣተሓሒዞም ከቕርቡ ይግባእ።

2) ተጫረቲ ኣብ ዘእተውዎ ሰነድ ብዘይ ስርዝ ድልዝ ኑጹር ዋጋ መሊኦምን ፈሪሞምን ብዝተዓሸገ ኢንሸሎፕ ከረክቡ ይግባእ።

3) ተጫረቲ ብማ/ተ/ሰ ትግራይ መለስ ካምፓስ ብዝተዳለወ መምልኢ ዋጋ ኣብ ባዕሉ መሊእኹም ካብ ዕለት 06/10/2016 ዓ/ም
ጀሚርኩም ክሳብ ዕለት 22/10/2016 ዓ/ም ጨረታ ዝዕፀወሉ ግዜ ኣብ ዕደጋ ክፍሊ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ክተእትዉ ይግባእ።

4) ተጫረቲ ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ስፐስፊኬሽን በቢ በይኑ ብፖስታ ዓሺጎም ከቕርቡ ይግባእ።

5) ተጫረቲ ዘቕረብዎ ዓይነት ግልጋሎት ብዝተኣዘዘ ግዜ ፣ መጠንን ፅሬትን መሰረት ክኸዉን ይግባእ።

6) ናይ እንቋቁሖ እቲ ጨረታ ተጫረትቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለውዎ ዕለት 22/10/2016 ዓ/ም ቴክኒካል ስፐስፌኬሽን ቅድሚ ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ 8፡30 እንትኽፈት እቲ ፋይናንሻል ስፐስፊኬሽን ድማ 9:00 ሰዓት ይኽፈት።

7) ናይ ፀባ እቲ ጨረታ ተጫረትቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለውዎ ዕለት 22/10/2016 ዓ/ም ቴክኒካል ስፐስፊኬሽን ቅድሚ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ 4፡00 እንትኸፈት እቲ ፋይናንሻል ስፐስፊኬሽን ድማ 4:30 ሰዓት ይኽፈት።

8) ናይ ጨረታ መኽበሪ 50,000 (ሓምሳ ሽሕ) ቕርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ጥራሕ ብማ/ተ/ሰ ትግራይ መለስ ካምፓስ ሽም ብዝተዓሸገ ፖስታ ከእትዉ ይግባእ።

9) ተጫረቲ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 150 (ሓደ ሚኢቲ ሓሙሳን)ቕርሺ ኣብ ናይ ትካልና ፋይናንስ ብምኽፋል እቲ ሰነድ ካብ ዕደጋ ክፍሊ ክወስዱ ይግባእ፡፡

10) ተጫረቲ ማህተም ዘለዎ ምሉእ ኣድራሽኦምን ስልኪ ቑፅሮምን ከቐምጡ ኣለዎም።

11) ሰዓራይ ጨረታ ነቲ ዘሸንፎ ዓይነት ግልጋሎት ውዕሊ ኣሲሩ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ግልጋሎት ክጅምር ይግባእ።

12) ተጫረቲ ኣብ ኣመላልኣ ዋጋን ስፐስፊኬሽንን ንዝፈጠርዎ ጌጋ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ፈሊጥኹም ብጥንቃቄ ክትመልኡ
ይግባእ።

13) ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብውሱን ወይ ኸዓ ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ።