ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ 01

ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ነቲ ቤት ፅሕፈት ን2016 ግልጋሎት ዝውዕል ዝተፈላለዩ ናይ መኪና ስፔራት ክዕድግ)ካብ ሕጋውያን መቕረብቲ ብዘርፍ ዝተመዝገቡ ብ ግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩናይ ውዕሊ ብምእሳር ክዕድግ ስለዝደለየ ካብዚ ብታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሒታት እተማልኡ ንክትጫረቱ ይዕድም።

ናይ ጨረታ ረቛሒታት

1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎን ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘቅርብ /ብመምርሒ ሕደሳ ናይ ምሕዳሰ ግዚኡ ዘይሓለፎን ዘሐደሰን ሙሉእ ገፅ ኮፒ መረዳእታ ኣተሓሒዙ ዘቕርብ።

2. ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቑፅሪ II 9 ዘለዎ ፣ ኣብ መቕረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበን መረዳእታ ሙሉእ ገፅ ፎቶ ኮፒ ገይሩ ኣተሓሒዙ ዘቕርብ።

3. ናይ ጨረታ መኽበሪናይ ናይ ስፔር ፓርት ንሓደ ሎት ቢድ ቦንድ 15000.00 /ዓሰርተ ሓሞሽተ ሽሕ ብር / ብሽም ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ብዝተረጋገፀ CPO ኣብ ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት ከትሕዝ ኣለዎ

4. ዋጋ ዝመልእሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ብቤት ፅሕፈትና ብዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ጥራሕ እዩ

5. ዋጋ ዝመልእሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት ምክሪ ክልል ትግራይ ደ/ከ/ስ/ዕ/ን/ምም/ር ሒሳብ ክፍሊ ንሕድሕድ ዘይምለስ ብር 100.00 (ሓደ ሚኢቲ ብር) ጥራሕ ብምኽፋል ካብ ዕለት 05/10/2016 ዓ.ም ክሳብ ዕለት 19/10/2016 ዓ.ም ሰዓት 4፡00 ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ምውሳድ ይከኣል።

6. ተመሊኡ ብፖስታ ተዓጺጉ ንዕኡ ተባሂሉ ኣብ ደ/ከ/ስ/ዕደ/ፋይ/ንብ/ምም/ር ቢሮ ቁፀሪ 08 ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ ዕለት 19/10/2016 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ቅ/ሰዓት ከእትው ይግባእ በቲ ዝተጠቀሰ ዕለት ሳዓት400 ተዓሽጉ በቲ ዕለት በዓል ዋና ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዘለውሉ ልክዕ ሰዓት 4:30 ይኽፈት መቕረብቲ ብናይ ባዕሎም ድልየት ተዘይተረኺቦም እቲ ቤት ፅሕፈት ጨረታ ፖስታ ንምኽፋት መሰለ ዝተሓለወ እዩ። ብተመሳሰሊ ናይ ጨረታ ዶክሜንት ኦርጀናልን ፎቶ ኮፒን ነኒበይኑ ክቀርብ ኣለዎ።

7. ኣብዚ ጨረታ ዝሳተፍናይ ስፔር ፓርት ተወዳዳራይ ናይ ቫት ተመዝጋቢ ዝኾነን ክሳብ ምያዝያ 30/2016 ዓ/ም ዲክለር ዝገበረሉ መረዳእታ ዘቕርብ ፡፡

8. ተጫረትቲ ዘሸነፍዎ ንብረት ክሳብ 25/10/2016 ኣታዊ ዝግበር ድሕሪ ድሕሪ 25/10/2016 ዓ/ም ንዝመፅእ ንብረት ተቀባልነት ዘይብሉ ሞኻኑ

9. ተጫረትቲ በቲ ኣብ ቁፅሪ 8ተ ዝተዘርዘረ መሰረት ካም ውዕሊ መኻኑ ፈሊጦም ክወዳደሩ ይግባእ

10. ተጫረቲ ንዝሰዓሩዎ ዓይነት ንብረት ብናይ ባዕሎም መፅዓኒ መራገፊ መጓዓዓዚን ናብ ቤት ፅሕፈትና ብውዕሎም

መሰረት ኣታዊ ዝገብሩ።

11. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዘ ጨረታ ካብ ተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን10 መዓልቲ ጥራሕ እዩ።

12. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰለዝተሓለወ

እዩ።

13. ቤት ፅሕፈትና ሰዓራይ ኣብ ዝመርፅሉ እዋን ካብቲ መጀመርያ ንክግዛእ ዝወፀ በዝሒ ኣቕሓ ዋጋ ክሳብ 20% ዒሰራ ሚኢታዊ) ካብ ነብሲ ወከፍ ነፀላ ኣቕሓ ናይ ምቅናሰ ወይ ናይ ምውሳኸ መሰለ ሕሉው ከም ዝኾነ፡፡

15. ነቲ ዝተጫረቶ ንብረት ይኹን ፅሬቱ ሙሉእ ውሕስና ክህብ ዝኽእል

16. ንዘድሊ ሓበሬታ Œ - 03 44-41 65 70/0945825857/0914748486 ሓዱሽ ህንፃ - ፊት ንፊት ርእሰ

ምምሕዳር ክልል ትግራይ