ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስተራክሽን ክልል ትግራይ

ምልክታ ፕሮፎርማ ሰነ - 2016 ዓ.ም

ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ክልል ትግራይ ናይ መኪና መለዋወጢ አቑሑት ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡

በዚ መሰረት እዚ ዝስዕብ ረቛሒ እተማልኡ ክትወዳደሩ ንዕድም፡፡

• በቲ ዘርፊ ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ፣ መቕረባይነት ክተቕርቡ እትኽእሉ፡፡

• ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ቲን ክተቕርቡ እትኽእሉ፡፡

• ተጫረቲ ሰነድ ፕሮፎርማ ካብ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ ሓበራዊ ህንፃ 1ይ ደብሪ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንሰን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 59 ካብ ዕለት 4/10/2016 ብምውሳድ ዋጋ መሊእኹም ናይ ትካልኩም ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብዝተዓሸገ ፖስታ ክሳብ ዕለት 7/10/2016 ስዓት 3፡00 ናብ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 59 ዝተዳለወ ሳፁን ኣታዊ ክትገብሩ ትኽእሉ፡፡ እቲ ፕሮፎርማ ስዓት 3፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ስዓት 3፡30 ይኸፈት፡፡

• እቲ ጨረታ ፕሮፎርማ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን7' ናይ ስራሕ መዓልቲ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሕ ይኸውን፣ እዚ ፐሮፎረማ ኣብ መንጎ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንሰትራክሽንን መቕረባይን ከምውዕሊኮይኑ የገልግል፡ ፡

• ስዓራይ ምዃንኩም ካብ ዝተገለፀልኩም ኣብ ውሽጢ 3 ስራሕ መዓልቲ እቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዚ ኦርጅናል ንብረት ኣታዊ ዝገብር፡፡

• ቢሮና እቲ ፕሮፎርማ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ወይ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03-42-40-01-29 ምሕታት ይከኣል፡፡