ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ዞባ ደቡብ ምብራቅ

ምልክታ ጨረታ

ንዞባ ደ/ምብራቅ ፖሊስ መቐለ ናይ 2016ዓ/ም በጀት ዓመት ግልጋሎት ዝውዕሉ ናይ ኤሌትሮኒክስ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ንኽትወዳደሩ ይዕድም።

ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቛሒታት፦

1. ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ኣተሓሒዙ ከቕርብ ዝኽእል።

2. ናይ መቕረባይነት ፍቓድ ዘለዎ ንኣተሓሒዙከቕርብዝኽእል።

3. ናይ ግብሪ ኸፋሊ መለለይ ቑፅሪ (Tin Number)ዘለዎን ኣተሓሒዙ ከቕርብ ዝኽእልን።

4. ተወዳደርቲ አብ ዝመልእዎ ዕሽግ ፖስታ ማህተም ፌርማ ንሙሉእሽም ምስ ስ/ቑፅሪ ክገልፁ ዝኽእሉ።

5. ተወዳደርቲን ዘሸነፍዎ ንብረት ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ናብ ዞባ ደ/ምብራቅ ፖሊስን ብረት ክፍሊብናይ ባዕሉመጋዓዓዚ ከቕርቡ ዝኸእሉ።

6. ዞባ ደ/ምብራቅ ፖሊስ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኸፊል ኮነ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ።

7. ተወዳደርቲዝመልእዎፕሮፎርማካብዕለት 03/10/2016 ዓ/ም ክሳብ 08/10/2016 ዓ/ም ሰዓት 8፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ 8፡30 ኣብ ዞባ ደ/ምብራቅ ፖሊስ ፋይናንስ ቢሮ ቑፅሪ 8 ዝኽፈትይኸውን።

8. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0970717555፣0946913435 ደዊልኩ ም ምሕታት ትኽእሉ ምዃንኩም ክንገልፀልኩም ንፈቱ።