ማእኸል ቤት ህንፀትመቐለ

ቁፅሪ 374/01/2016ዓ/ም

ዕለት01 /10/2016ዓ/ም

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት ህንፀት መቐለ ካብ በጀት ዓመት 2016 ዓ/ም ዝኽፈል ዝተፈላለዩ ናይ ህንፃ መሳርሕን ኤሌክትሮኒክስ ንብረት ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ

1/ አብዚ ጨረታ ዝወዳደሩ ተወዳደርቲ በቢ ስራሕ ዘርፉ ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ስራሕ ፍቓድን መቅረባይነትን ከምኡ ድማ ናይ ቫት ዝተመዝገበሉን ናይቀረባ ናይዚ ሰለስተ ወርሒ ወይ ናይ ማዝያ 2016 ድክሌር ዝግበረሉን ናይ ግብሪ ከፋላይነት መፍለዪ ቁፅሪ ቲን ከቕርቡ ኣለዎም

2/ ተወዳደርቲ ዝመልእዎ ዋጋ ምስ ቫቱ ዝሓወሰ ተመሊኡ ስልዝ ድልዝ ዋጋ ኣድራሻ ብምጥቃስ ማህተምን ፌርማን ብምግባር ኣብቲ ናይ ቤት ፅሕፈት ሰነድ ጨረታ መምልኢ ጥራሕ ተመሊኡ ብፖስጣ ብምዕሻግ ክቐርብ ኣለዎ ኣብ ናይ ባዕልኻ ዋጋ መምልኢ መሊእኻ ምቕራብ ኮነ ካብቲ ናይቲ ትካል ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ኣይፍቀድን ተቐባልነት እዉን የብሉን

3/ ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምኸፋቱ መኽበሪ ጨረታ ኣብ ህንፃ መሳርሒ ዝወዳደሩ ኮነ ኣብ ኤለክትሮኒክስ ዝወዳደሩ ነንሕድሕዱ 3000 ብር ብሕጋዊ ባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ብጥ ገንዘብ ቅድሚ ጨረታ ምኸፋቱ ከትሕዙ ኣለዎም

4/ ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 01/10/2016ዓ/ምዓ/ም ክሳብ 10/1/2016ዓ/ም ሰዓት 3.00 ዘይምለስ 100 ብር እናኸፈሉ ካብ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋን/ምን ቁፅሪ ገዛ 6 ክወስዱ ይኽእሉ እዮም እቲ ጨረታ ዕለት 11/10/2016ዓ/ም ሳዓት 3.30 ተዓፅዩ ሳዓት 4.00 ቅድሚ ሰዓት ( ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዝተረኸብሉ ይኹን ኣብ ዘይተረኸብሉ ይኸፈት። ተጫራታይ ዝመለኦ ዋጋ ድሕሪ ጨረታ ምኽፋቱ ን10መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ

5/ ድሕሪ ናይ ጨረታ ሳፁን ምዕፃዉ ዝመፅእ ፖስታ ይኹን ሓሳብ ተቕባልነት የብሉን ብተወሳኺ ንዝወፀ እስፐስፍኬሽን ኣማሊኡ ዘይተረኸበን ዘጭበርበረ ተወዳዳርን ካብ ዉድድር ዉድቂ ይግበር

6/ ጨረታ ሰዓራይ ሰዓራይነቱ ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ድሕሪ 3ተ ናይ ጥርዓን መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ውዕል ኣሲሩ ዉዕሊ ካብዝኣሰረሉ መዓልቲ ዝሰዓሮ ንብረት ኣብዉሽጢ 5ተናይ ስራሕ መዓልቲ እቲንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዓዓዚ ናብ ትካልና ዘረክብ ኮይኑ በቲ ዝተጠቐሰ መዓልቲ

እንተዘይኣሲሩን ንብረት እንተዘይ ኣቅሪቡን ዘትሓዞ መኽበሪ ጨረታ ናብ ናይ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ተገይሩ ብሕግዉን ጥየቕ ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ

7/ ሰዓሪ ዝኾነ ተወዳዳሪ ካብ ጠቕላላ ዝሰዓሮ ንብረት ካብ ዝኽፈሎ ገንዘብ 10% መኸበሪ ዉዕሊ ዘትሕዝ ኮይኑ ን ቕረቦ ንብረት ዝኸፈሎ ገንዘብ ልዕሊ ዝርዝር በዝሒ ዝዕደግ ይኸፍል ብተመሳሳሊ ካብቲ ክዉስኸ ወይ ክ ቀንስ ይኽእል እዩ

10.000ብር እንተኾይኑ ድማ 2%ዊዝ ሆልድ ታክሲ ንብረት ሙሉእ ብሙሉእ ምስራዝ ወይ ድማ 20% ሒሳብ ኣካፋፍላ ዝምልከት እቲ ንብረት ብበዓል ሞያ ናይ ትካልና ተረጋጊፁ ተቐባልነት ምስረኸበን ኩትር ምስ ቀረበሉን ክፍሊት ይፍፀም

መስራቤትና ዘሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንተወሳኺ ሓቤሬታብኣካል ወይ ብስልኪ 0914120805 / 0942659419 ምሕታት ይከኣል ::