ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጓዓዝያን ከተማ አለማጣ

በዚ መሰረት ቀፂሎም ተዘርዚሮም ዘለዎ ረቀሕታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ክትሳተፉ ይዕድም

  1. ናይ ዘበኑ ግብሪ ዝከፈሉ ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰን ምዝገባ መቅረባይነት ዘለዎ ምካኑ ዝሕብርን አብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዝሓዘን ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእልን
  2. መከበሪ ጨረታ 150,000 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይድማ ብሃገራዊ ባንኪ ኢትዮዽያ ወይድማ ካብ ዝተፈለጡ ባንክታት ሲፒኦ ወይ ካብ ዝተፈለጡ ናይ ባንኪ ዉሕስና ልዕሊ 3 ወርሒ ዝፀንሕ ከቅርብ ዝክእል
  3. ሰነድ ጨረታ አብ ዋና ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ክፍሊ ቁፅሪ 2 ካብ ዕለት 26 መጋቢት 2008 ዓም ጀሚሩ ክወስድ ዝክእል
  4. ሰነድ ጨረታ ሓደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን ነንበይኑ ተዓሺጉ ኣብ ሓደ ዓብዩ ፖሰታ ዳግም ተዓሺጉ ናብ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ሙሉእ ሽምን ፊርማን ማሕተምን ኣብ ሕድሕድ ገፅ ምሰተገበረሉ ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ይኣቱ
  5. እቲ ሰነድ ጨረታ ከምቲ ክሽየጥ ዝነበሮ ከይተዛብዐን ከይተጋደለን ክቀርብ አለዎ
  6. ኣብቲ ሰነደ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ምግባር ኣይፍቀድን እንተኣጋጢሙ ድማ ፊርማ በዓልዋና ክዓርፎ አለዎ
  7. ጨረታ 26 ሚያዝያ 2008 ዓም ሰዓተ 3፡00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 3፡30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
  8. ሰዓራይ ናይ ዝሰዓረሉ መከበሪ ወዕሊ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ 10% ዉሕስና ባንኪ ከትሕዝ ዝክእል አንትከዉን ኮይኑ ግና ዝሰዓረሉ ዋጋ ካብ ምህንድስና ግምት ትሕቲ 20 ሚኢታዊ እንተኮይኑ ንሕድሕድ 1 ሚኢታዊ ዝወረዳ ተወሳኪ 2% ኣብ ልዕሊእቲ 10% ከትሕዝ ዝኸእል
  9. ኣብዚ ጨረታ ዝሳተፉ ዝወዳደሩ ብ GC ን BC ን ደረጃ 7ን ልዕሊኡን ክኮኑ አለዎም
  10. ናይ ሰዓራይ መፍለዩ ረቀሒ ፋይናንሻል ጥራሕ እንትከዉን ዝተሓተ ዋጋ ዘቅረበ ሰዓራይ ይከዉን
  11. ሰዓራይ ጨረታ ምስሰዓረ ፃዉዒት ኣብ ዝግበረሉ ዉዕሊ ዘይኣስር እንተኮይኑ ዘትሓዞ መከበሪ ጨረታ ዘይምለሰ ምካኑ ክፈልጥ አለዎ
  12. ዕደጋ ፈፃሚ አካል ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ
  13. መግዝኢ ሰነድ ጨረታ 200 ቅርሺ እዩ

ንዝበለፀ ሓበሬታ 0347740824 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል