ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይ ክልል ትግራይ

1 ናይ 2008 ዓ/ም ንግዲ ፋቃድ ዘለዎ ,VATዝተመዝገበን ዲክለር ዝገበሩን, Tin nam መቅረባይነት ዘለዎን

2 ተጫረቲ ዘትሐዝዎ መክበሪ ጨረታ አብ ላዕሊ ንዝትገለፁ ዝርዝር አቁሑት ንሕድሕዶም ብር 3000 CPO ከትሕዙ ዝክእሉ

3 ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 30 ብምክፋል ካብቲ ቢሮ ትወስዱ

4 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 10/08/2008 ዓም ሰዓት 9:00 ናይ ድሕሪ ሰዓት ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት ድማ ብተመሳሳሊ ዕለት 10/08/2008 ዓ/ም ሰዓት 9:30 አብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዘለዉሉ ኣብ ቢሮ ቑፅሪ 245 ይኽፈት

5 ጨረታ ወፂኡ ካብ ዝተቃለሐሉ /ዝልጠፈ/ ጀሚሩ ተጨረቲ ዋጋ ዘቅርብሉ በቲ ዝወፀ ዝርዝር ረቖሒ /ስፐስፊኬሽን/ መሰረት ኮይኑ ካብ ዕለት 26/07/2008 እስክ 10/08/2008 ዓ/ም ሰነድ ምስተገዘአ ብሸምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ቴክኒካል ፋይናንሻል /ኦርጅናል ኮፒን/ ብምንፃር ብክልተ ፐስታ ከቅርቡ ዝግባእ ኾይኑ እቲ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን45 መዓልቲ ይኸዉን ተጫረቲ በቲ ናይ ጨረታ ዋጋ ክሳብ 6ተ ወርሒ ተወሳኪ ትእዛዝ ናይ ምርካብ ዕድል አለዎም እዩ

6 አድራሻና ክፍለ ከተማ ሐወልቲ ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ አብ ኮምፕሌክስ ናይ ሐባር ህንፃ: ህንፃ 1 /Block 1/ ኣብ መሬት ቢሪ ቁፅሪ 245 እዩ

7 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344417637 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ከኣል እዩ