ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ

ን2 ግዜ ዝውፀ ናይ ኦዲት ጨረታ ምልክታ

ኣብ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ናይ 2015 ዓ/ም በጀት ዓመት ብናይ ደገ ኦዲት ፋይናንስ ስራሕቱ ኦዲት ከግብር /ከመርምር/ ስለዝደለየ ካብዚ ቀፂሉ ዘሎ መመዘኒ ረቛሒ እተማልኡ ክትወዳደሩ ንዕድም

መወዳደሪ ረቛሒ ፡

1. ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ ቲን ናመበርን ዘለዎ

2. ናይ ዘመኑ ግብሪ ማለት ናይ 2015 ዓ/ም ዓመታዊ ግብሪ ዝኸፈለ

3. ናይ ፌደራል ኦዲት መስራቤት ብቕዓት መረጋገፂ ዘቕርብ

4. ካብ ኣካውንቲንግን ኦዲትን ቦርድ ኢትዮጵያ ፍቃድ ዘለዎ

5. ብተወሳኺ ብናይ ሲቪል ማሕበረ-ሰብ ናይ ትካላት ናይ ብቕዓት መረጋገፂ ዘለዎ

6. ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዓብይቲ ወይ ተመሳሳሊ ትካል ዝሰርሐሉ ስራሕ መረዳእታ ከቕርብ ዝኸእል

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱን ካልኦት ደገፍቲ ሰነዳትን

እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 28/09/2016 ክሳብ 03/10/2016 ዓ/ም

ናይ ዋጋ ጨረታ ሰነድ መምለኢ ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ መቐለ ክፍለ ከተማ 1 ወያነ ጥቃ ኵሓ መነሃርያ ታክሲ መዕረፊ ከባቢ ናብ ዝርከብ ቢሮና ብምምፃእ ቅጥዒ መምልኢ ዋጋ ወሲድኹም ብዝግባእን ስርዝ ድልዝ ብዘይብሉ ዋጋኹም መሊእኹም ዓሺግኹም ክትልእኹልና ንዕድም፡፡